Book By Former Eritrean Minister Berhane Abrehe, Eritrean Minister of Finance. The will soon be available in the market. According to the information, the book titled, ”Eritrea Hagerey [Eritrea My Country].
He was part of the PFDJ party and never voice nor resigned while the Government put millions of people in jail including EPLF fighter AKA G15. Now that he is layoff and his wife put in jail; getting back at the president.

Promote by Kubrom Dafla who was HGDF / PFDJ party (09/Red Sea Manager, Eritrean Airlines and also he was managed different Government Agency in Eritrea but he made them out of business or took unclassified sum of money for his own gain.
Kubrom Dafla is now telling Eritreans to buy 2 to 5 books for each person so that the authors and himself would gain financial of the book sales.

Here is the 12 page Executive book summaries, judge yourself.

ኢሳያስ ንፋስ ዘራጊቶ፡
ጾሹ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን

እዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ባህርያትን እንታይነትን ኣቶ ኢሳያስ ብምትኳር ንክልተ ጉዳያት ዚድህበሎም። ብሓደ ሞነኜ፡ ኣቶ ኢሳያስ ብህጹጜ ካብ ስልጣኑ ክግለፍ ኚምዝግብኊ ንዝገልጹ ምኜንያታት ንኜፍለጡ ዝሕግዝ ጥጡሕ ባይታ ዚንጜፍ። ብካልኣይ ሞነኜ ድማ፡ ኣብ መጻኢት ኀርትራ ንኣቶ ኢሳያስ ዝመስሉ ንምዕናውን (destruction) ምትላልን (deception) ኹም መሰሚታውያን ናይ መቃለሲ መሳርሒታት ጌሮም ዝጥቀሙ ኣዝዮም ሓደገኛታት ውልቀሰባት ክቕልቀሉ ተኜእሎ ስለዘሎ ኀርትራዊ መንእሰይ ነዚኣቶም ብኣጋ ንኾለሊን ንኜምክትን ዝሕግዞ ንቕሓት ንኞጥሪ ዚዘኻኜር።
ኢሳያስ ንፋስ ዘራጊቶ።
ኩላትና ካብ ዓውደ ስነ-ፍልጠት ኚምእንፈልጊ (tornado) መቾም ዘራጊቶ ፍሉይ ዓይነት ኣዕናዊ ንፋስ እዩ። ጥዑም ልኡም ንፋስ (breeze) ኣይኮነን። ካብ ንፋስ ህቊቡላ (hurricane) ብዝዛይድ ናህሪ ዝውንጹፍ ዘይቅዱዊ ዓይነት ንፋስ እዩ። ንፋስ ህቊቡላ ብሓፈሜኡ ኣስታት 120-160 ኪሜ ኣብ ሰዓት ንጋድም ይጉዓዝ። ንፋስ ዘራጊቶ ግና ብሓፈሜኡ ኣስታት 160-480 ኪሜ ኣብ ሰዓት ንጋድምን ንሰማይን (ንትኹል) ገጹ እናተጓዕዘ ቅርጺ-ዋንጫ ሒዙ ዕንክሊል ዝሰርሕን ኣብ መገዱ ንዝጾንሑዎ ነገራት መመጜዩ መናጢሉ ዝወስድን ኣዕናዊ ንፋስ እዩ። ንፋስ ዘራጊቶ ስለዚ ብባህሪኡን ተግባራቱን ተፈታዊ ዓይነት ንፋስ ኣይኮነን።
ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብዝፍጜሞም ጞይቂታትን ኣዕናዊ ባህርያቱን ተጠሚቱ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኹም ተምሳል ናይ ንፋስ ’ዘራጊቶ’ ኮይኑ ክሕሰብን ክግለጜን ዝክኣል ሰብ እዩ። ንናይ ሃገርና ናይ ውሜጢን ናይ ደገን ፖለቲካ ኹዕኑን ክዝርግን ብመደብን ብባህታን ዝሰርሕ ዘራጊቶ እዩ።
ሕጂ ኣብ ዘለናዮ እዋን ብዙሓት ኀርትራውያን እናተገሚሙ ስለምንታይ እዩ ኣቶ ኢሳያስ ንህዝቢ ኀርትራ ዝዘርጎን ዘሳቕዮን ዘሎ? ብምስቓይናን ብምዝራግናን’ኚ እንታይ ይሚብሕ? እናበሉ ይሓቱ እዮም። እቲ መልሲ ኣብ ውሜጢ ተፈጥሮኣዊን ፖለቲካዊን ባህርያት (natural and political characters) ኣቶ ኢሳያስ እዩ ዝርኚብ። ብዝያዳ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሪኡ።
ተፈጥሮኣዊ (ስነ-ኣእምሮኣዊ) ሰብነት ኣቶ ኢሳያስ ካብ ተወርሶን ካብ ኣካባቢን ብዘተዋህቊ ትዕድልቲ ንዝኣኚቊ ጠባዩ ይገልጜ። ፖለቲካዊ ሰብነቱ ክኣ ኣብ መስርሕ ናይ ፖለቲካዊ ሂወቱ ንዘጥሚዮ ጜቡቕን ሕማቕን ባህሪያት ይገልጜ። ክልቲኊም ተደሚሮም ንምሉእ ሰብነታዊ እንታይነት (essence) ኢሳያስ ይገልጹ። ንዝተፈላለዩ ነገራት ስለምንታይ (motifs) ይገብሮም እውን ዚብርሁ።

ብወገነይ ንኣቶ ኢሳያስ ብሓቂ ኣብ ተፈጥሮኣዊ (personal natural) ሂወቱ ካብ ቀሚባ ኮይነ ኣይፈልጊን እዚ። ኣብ ናይ ፖለቲካ (political) ሂወቱ እዚ ተፋሊጠዮ።
ኣብ ናይ ቁልዕነት ሂወቱ ብቐሚባ ዝፈልጡዎ እሞ ዝገምገሙዎ ገሊኩም ዕቱባት ሰባት ንኢሳያስ ክገልጹዎ ኹለዉ ብጜቡቕ ኣዚልዕልዎን እዮም። ንባዕሉ ብዱልን ንካልኊት ቆልዑ ዝብድልን ቆልዓ ኹምዝነበሹ ጌሮም እዮም ዝገልጜዎ። ብዙሓት ሰባት ንኢሳያስ ብውሑዱ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ፡ ጞወታ ’ኣፋራራስ ገዛ’ ዘዘውተሚ፡ ህልኞኛ፡ ተንኮለኛ፡ ዘይእመን፡ ቀናእ፡ ቂመኛ፡ ጚካን፡ ብቃንዛ ናይ ተጻሚርቱ ዝሕጎስ (Sadist=ሳዲስት)፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ’ስኪዞፍሚኒያ’ (schizophrenia) ዝሳቐ፡ ወዘተ ዓይነት ሰብ እዩ ይብልዎ። ተደነቕቲ ድራማታት ዝደርስን ንነብሱን ካልኊት ተዋሳእቲን እናሳተፈ ናብ ተዓዘብቲ ዘቕርብን ኪኢላ ስነ-ጥበበኛ እዩ እውን ይብልዎ እዮም። ብወገነይ ንኢሳያስ፡ ጎራሕ (shrewd)፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (psychologist)፡ ፈጣሪ-ውርግርግ (mystifier)፡ ምስሉይ (hypocrite)፡ ሞሏቕ (cunning)፡ ተሰልባጢ (flip-flop) ዓይነት ሰብ ኮይኑ ሚኺበዮ እሎኹ።
ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ፈጣሪ-ውርግርግ፡ ጎራሕ፡ ምስሉይ ዓይነት ሰብ ብምዃኑ ኣብ ብዙሓት ፖለቲካዊ ብድሆታት ንውልቃዊ ሚብሕኡ ብዘገልግል መገዲ እናተዓጻጞፈ ንግዚኡ ይዕወት እዩ። ብዛዕባ ‘ሳዲስት እን ተንኮለኛን ምዃኑ ድማ ንዝቐርቡዎ መሳርሕቱ ዹልግበሎም እዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ ንሳቶም ንባዕሎም ኚምኡ ይኟኑ። እዚ ኣሉታዊ ባህርያት እዚ ኣብ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን መንግስቲ ብኣልማማ ክሰርጜን ብግብሪ ክስርሓሉን ክርአ ኹሎ ድማ ንህዝቢ ኀርትራ ዹቐንዝዎ እዩ።
ንኢሳያስ፡ ብድምር ናይ ተፈጥሮኣዊን ፖለቲካዊን ባህሪኡ ተጠሚቱ፡ ‘ክፉእ-ዘርኢ፡ ናጀባ ‘ክርዳድ እ፡ ዘይብቑዕ (ሲቪላዊ) መራሒ፡ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝጎድሎ፡ ኣዝዩ ጚካን ሰብ እዩ ክትብሎ ይክኣል እዩ። ’ሰይጣናዊ’ ኢሳያስ ’ንሰብ ዝመስል ኣራዊት’ ብምዃኑ መዓልታዊ ካብ ጜቡቕ ነገር ክሓስብን ክገብርን ክፉእ ነገር ክሓስብን ክገብርን እዩ ንግዚኡ ዘሕልፎ። ኩሉሳዕ እውን ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ጌሩ ክርእያን ኬኜዳን ይህቅን።
ኣቶ ኢሳያስ ’ኣነ ንኻልኊት ዝምህር ፈላጥ እዚ’ ኢሉ ንነብሱ ስለዘእምና ካብ ናይ ካልኊት ሰባት ፍልጠትን ክእለትን ተመኩሮን ክምሃር እምብዛ ኣይደሊን እዩ። ካብ ካልኊት ፈላጣትን ምኩራትን ሰባት ምእንቲ ኚይምሃር፡ ነቲ ኣብ ደሹጃ ’ውድብ’ (ግንባር) ዝሰርሓሉ ወተሃደራዊ ኣጋባብ ምሕደራ ብደሚጃን ኣብ ዉሜጢን ሃገራዊ ሲቪላዊ ምሕደራ ኣእትዩ ብግንጢ ክሰርሓሉ ህርድግ ይብል። ኣይሰልጊን ክኣ። ዕግርግር ዚስዕብ።
ኣብ ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ብዙሕ ስለዘይደፍአ ምናልባት ግዲ ኮይኑ፡ ንኢሳያስ ሓሓሊፉ ትምህርቲ-ጠቀስ ናይ ነፍሰ-ምትሓት ስምዒት (educational inferiority complex) ይንጞባርቖ እዩ ንኣቶ ኢሳያስ። ናይ ዩኒቚርሲቲ ኣስመራ ቻንስለር ክንሱ ኣብ ስነ-ስርዓታት ምሚቓታት ተምሃሮ ዩኒቚርሲቲ ብኣካል ኣይሳተፍን። ዓመት መጾ ወኚልቲ ጌሩ ይሳተፍ። ኣብ መፋርቕ 90 እታት ተምሃሮ ዩኒቚርሲቲ ኣስመራ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስሊጊም ምንባሮም ኣብ ዝኟነ ግዜ ኣይርስዕን እዩ።
ኣቶ ኢሳያስ ምስ ምሁራት ለባማት ሰባት ንነዊሕ ግዜ ምዃን ይጞልእ። ካብኣቶም ክምንጥሎ ዝደልዮን ዝኜእልን እሞ ኜኣ ቀልጢፉ ዝርስዖ ገለ ንግዚኡ ዘብለጭልጭ ላህመታዊ ፍልጠት

ምስወሰደ ነቲ ምስኊም ዝጾንሖ ዝምድና ቀልጢፉ ዚቋርጟ። ንውሜጣዊ ትሕዝቶኡ ምእንቲ ኚይግምትዎ ወይ ኚይፈልጡዎ ምናልባት እውን ይኾውን ካብ ምህራት ሰባት ይርሕቕ። ንምሁራት ምእሳርን ምድስካልን ይፈቱ። ክመልኮም እኜእል እዚ ምስ ዝብሎም ዓይነታት ሰባት ጥራይ እዩ ንነዊሕ እዋን ’ክትዓራሚኜ’ ዝኜእል። ንጹህ ኀርትራዊ መንእሰይ ናብ ሜግር እንተኣተወ፡ ናብ ስደት ገጹ እንተምርሐ፡ ዋላ እውን ኣብ ኲናት ተጠቢሱ እንተሃለቐ፡ ንኣቶ ኢሳያስ ዘራጊቶ ዚሐጉሶ እምበር ኣዚሻቕሎን እዩ።
ኢሳያስ እቲ ጾሹ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን።
ፕሚዚደንት ኢሳያስ ብትውልዲ ኀርትራዊ እዩ። ብመንጜር ፖለቲካ ምስዝጥመት ግና ዘይተቖርመመ ምሉእ ኀርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ዚብሉን። ብናይ ፖለቲካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውምኡን ዜግነቱን ኢትዮጵያዊ-ኀርትራዊ ወይ ኀርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ክኾውን እዩ ዝመርጜ። እዚ ኣባህላ እዚ ዘገርም እኳ እንተመሰለ ግና ሓቂ እዩ።
ኣብ 1993 ናጜነት ኀርትራ ምስተኣወጀ ኣቶ ኢሳያስ ብተብተብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጌሹ። ሜዑ ንኢትዮጵያውያን ’ኣሕዋቱ’ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ጌሩ ጋዜጣዊ ዋዕላ (press conference) ኣካይዱሎም። እቲ ፍጻመ እቲ ኣብ ቪድዮ ተሰኒዱ ኣብ ኢንተርነት ሜዑ-ንሜዑ ተዘርጊሑ። ኣገልግሎት ኢንተርነት እትሚኜቡ ኀርትራውያን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኣቲኹም ባዕልኹም ነቲ ቪድዮ ርኣይዎን ንዘሚባ ኣቶ ኢሳያስ ስምዕዎን። እቲ ኣድራሻ፡

or http:/yout.be/rthKX-ymawE

እዩ። ኢንተርነት ንዘይሚኞብኩም ተገደስቲ ድማ ፍሹ ዘሚብኡ ብኞምዚ ዝስዕብ ጜሟቕ እንሆ ይቐርብ ኣሎ።
ኣቶ ኢሳያስ ንዝተዛሹቩ ንምድጋም፡ ‘ኣነ፡ ዘይኹም ካልኊት ሰባት፡ ብናይ ሃገራት ዶባት ኣይኣምንን እዚ። ብዛዕባ ዶብ ንዝህሉ ስምዒታት ድርብ ዜግነት ሂብካ ክትፈትሖ ይክኣል እዩ። ማለት፡ ኢትዮጵያዊ ብተወሳኺ ናይ ኀርትራ ዜግነት ይህልዎ ኀርትራዊ ድማ ኚምኡ ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ይህልዎ። ነዊሕ ግዜን ዕድልን ኣጥፊእና ኣለና። ሃዹ ናብዚ ዕላማ እዚ ተቓላጢፍና ንበገስ ኢሉዎም።
’ኣብ መንጎ ኀርትራን ኢትዮጵያን ኮንፈደሚሜን ወይ ፈደሚሜን ይሃሉ ማለትካ ዲኻ?’ ዝብል ሕቶ ንኣቶ ኢሳያስ ካብ ሰማዕቱ ምስቀሚበሉ ድማ ’ኣይፋል፡ ፈደሚሜን ወይ ኮንፈደሚሜን ይሃሉ ኣይብልን ኣለኹ፡ እንታይ ድኣ ምሉእ ውህደት (ብቓላቱ፡ full integration) ይሃሉ እዚ ዝብል ዘለኹ’ ብምባል መሊሱሎም። እቲ ነገር ዝደንጾዎም ሰማዕቲ፡ ’ምሉእ ውህደት መዓስን ብኞመይን እዩ ክትግበር? ኣብ እዋን ፕሚዚደንትነትካ እኞ እንታይ ኢና ክንጜበ?’ ኢሎም ምስሓተቱዎ ’ነዊሕ ግዜን ብርቱዕ ስራሕን ዝወስድ ዕማም እዩ። ግን ነቲ መስርሕ ሕጂ ንጅምሮ ኣለና’ ኢሉዎም። ዕላማ ሜቶኡ ንኾውቅዕ 1) ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክጾንሕ ድሌት ኹምዘለዎን 2) ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑን

ኣሚቱሎም። ኢሳያስ ነሕዋቱ ’ኪኖ እዋን ፕሚዚደንትነተይ ዝቕጜል ዕማም እዩ’ ይብሎም እሞ ንመደባቱን ኣታሓሳስብኡን ብኞምዚ ዝስዕብ ጌሩ ሓውሲ ዝርዝር ኣቢሉሎም።
’ቅድም ቁጠባዊ ውህደት እዩ ክህሉ። ድሕሪኡ ናብ ፖለቲካዊ ውህደት ብምስጋር ናብ ምሉእ ውህደት ይብጻሕ። ቁጠባዊ ውህደት ንኜህሉ ድሮ ንጻዕርታትና ጀሚርናዮ ኣለና’ ኢሉዎም። ብኣቅጫጭ ናይ ዘሚብኡ ዝተገሹሙ ሰማዕቲ ኩሉ እቲ ዝተነግሮም ’ብዘይኩታኜን ወለል በላ’ ዝዓይነቱ ኮይኑ ተሰሚዑዎም።
ኢሳያስ ነቲ ኣብ እዋን ብሚታዊ ቃልሲ ብምስጢር ዘተግብሮ ዝነበሹ ’ንሰውራ ኀርትራ ኹይተዓወተ ኹሎ ኣበርዕኖ’ ዝብል እምነቱ ብዓወት ሰውራ ኀርትራ ምስፈሞሎ ኣብ እዋን ናጜነት ንኜቕጜሎ መደብ ኹምዝሓንጾጾ ብጋህዲ ገሊጹ። ክሳብ ቅዋም ኀርትራ ዝእወጅን ባይቶ ኀርትራ ዝቐውምን ክጜበ ኣይደለዚን።
ንኢሳያስ ሜዑ ወደባት (ports) ዓሰብን ባጜዕን ኣብ ዓይኑ ይርኣይኊ ኔሹን ይኟና እዚን። ንድሌትን ርእይቶን ህዝቢ ኀርትራ ኹይተወኹሰ ካብ ናይ ውልቁ ጥሙሕ ነቒሉ እዩ ኣህተፍቲፉ። ናይ ዉልቁ ስትራተጃዊ መደብ እዩ ንኢትዮጵያውያን ’ኣሕዋቱ’ ገሊጹሎም። ዘሚብኡ ኚቶ ንመርገጺ መንግስቲን ህዝቢን ኀርትራ ዘንጞባርቕ ኣይነበሚን።
ብዙሓት ንጹሃት ኀርትራውያን ስለምንታይ ድኣ ኣቶ ኢሳያስ ይዘራርገናን ዚሳቕዚናን ኣሎ? ስለምንታይ’ኚ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ይኣቢ? እንታይ እዩ ሚብሓታቱ? እናበሉ ወርትግ ንዝሓቱዎ ሕቶ እምብኣር እንሆ መልሱ ካብቲ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ዝሃቩ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሚኺቡ እሎ።
ኢሳያስ፡ ካብ መትኚሉ ተበጊሱ፡ ንናይ ኀርትራ ናጜነትን ልምዓትን ዝድግፍ ሰብ ኣይኮነን። ገለ ኀርትራውያን ግና ’ኣይፋል’ ይድግፍ እዩ ዝብሉ ኣሎዉ። ኢሳያስ ሃገራዊን ዉፉይን ተቓላሳይ እዩ ኔሩን ዘሎን ይብሉ። እዚ ብናታቶም ርድኢት እዩ። ኢሳያስ ባዕሉ ኚምዝገለጟ ናይ ኢትዮጵያን ኀርትራን ምሉእ ዉህደት (full integration) ክሳብ ዝሚጋገጜ፡ ነዊሕ እዋን ዋላ ይውሰደሉ፡ ኣትኪሉ ክቃለስ እዩ ተበጊሱ ዘሎ።
ዝያዳ ምርግጋጜ ዚድልዮ እምበር ብዙሓት ወገናት ንኣቶ ኢሳያስ ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሩ ምስ ሲኣይአን ሞሳድን ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ልኡላዊት ናጻ ኀርትራ ህያው ንኞይትኞውን ዝነጠፈ ’ሰርሳሪ’ (mole) ’ኀርትራዊ’ ሰላዪ (spy) እዩ እዮም ዝብሉ። ኩላትና ኚምእንፈልጊ፡ ኀርትራውያን ብሚት ኣልዒልና ንናጜነት ሃገርና ዝተቓለስና ፍሉጥ ዶብ ዘለዋ ናጻ ሃገርና ዳግማይ ኚነሚጋግጜ እሞ ተቓላጢፍና ኹነልምዓ ክንጅምር ኔሩ ሞቶና። ዶባታ ዝተሓንጞጹላ ናጻ ሃገርና ንኜንሚክብ ተሰዊእና፡ ደሚና፡ ቆሲልና፡ ሰንኪልና፡ ልግዐ ንእስነትናን ዕድላትናን ወፊና። ኣብ 1998 ዶብናን ልኡላውነት ሃገርናን ንኚነውሕስ ኣንጻር ’ዉዲታዊ’ ወራር ወያነ መኪትና። ኩሉ ዓይነት ክቡር ዋጋ ኚፊልና። ኣብ ክልቲኊም ናይ ኲናት ብድሆታት ተዓዊትና።
ኣብ ታሪኜና ንዘልኣለም ብኜብሪ እንዝክሮ፡ መንእሰይ ’ዋርሳይ’ ማዕሹ እቲ ሓዉን ኣያኡን ዝኟኖ ወለዶ ’ይክኣሎ’ ኣብ ግንባር ኲናት ተሰሊፉ ንዘይተጞበዮ ብድሆ ምውሓስ ልኡላውነት ኀርትራ ክብል ብጅግንነት ኹምዝተሰውአን ኹምዝሰንኹለን እዩ!

ኀርትራውያን እምብኣር ዘሕዝንን ዘሐጉስን ዘኹርዕን ሕዉስዋስ ክቡር ታሪኜ እዩ ዘሎና። ነዚ ክቡር ታሪኜና እዚ እሞ ንጠላም ኣቶ ኢሳያስ ዲና ክንገድፈሉ? ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ኮይኑ ሓንዳይ ንኜጻወተሉ? ዘበትኚ! ኚምኡስ ኣይክንገብርን ኢና። ኩላትና ኀርትራውያን ኩሉሳዕ ዶባታ ዝተሓንጾጾላ ልኡላዊት ሃገር ንዘልኣለም ንኜትህልወናን ልምዕቲ ንኜትኮነልናን ኢና ንሰርሕን ንነብርን!
ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ ኩሎም ናይ መኾተ እዋናት፡ ’ንይምሰል’ ብኣካል ምሳና ምስ ኀርትራውያን ተሳቲፉ እኳ እንተኟነ፡ ብኣታሓሳስባን ዕላማን ግና ምሳና ኣይነበሚን። ኣብ ኩሉ ዝተሓፍሰ ዓወታት ቃልሲ ህዝቢ ኀርትራ ኣንጻር መትኚላዊ ስትራተጂያዊ ዕላምኡን ድሌቱን ስለዝኟኖ፡ ዕሹ እናጥዓሞ እዩ ምስሉይ ባህሪኡ እናዓቀበ ምሳና ተጒዒዙ።
ተንኮለኛ ኣቶ ኢሳያስ ንትሕዝቶ ናይቲ ንኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ዝሃቩም ጋዜጣዊ መግለጺ ንኀርትራውያን ’ብጟቱ’ ኣይሓበሚናን። ኀርትራውያን ስለዚ ንመግለጺኡ ኣብ እዋኑ ኣይፈለጥናዮን። ክኢላ ሰራሒ ድራማ ስለዝኟነ ነዚ ክእለቱ እዚ ተጠቒሙ ን ’ሓቂ’ ንነዊሕ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ካባና ሓቢኡዋን ኣዘንጊዑ ኣታሊሉናን። ንሕና እውን እንተኟነ ኣብ ልዕሊኡ ’ሕልማዊ’ እምነት ኣንቢርና ምስኡ ንጉዓዝ ስለዝነበርና ኣይጠርጠርናዮን። ኢስራኀልን ብሪጣንያን ኣመሪካን ልዕሌና ብምዃን ንመግለጺኡ ኣብ እዋኑ ፈሊጠንኊ። ንስትራተጃዊ ሚብሐአን ስለዝገለጞ ብሓጎስ ተቐቢለንኊ።
ኣቶ መለስ ዜናዊ ሓደ እዋን ብዛዕባ ኚዳዕ ኣቶ ኢሳያስ ንዝተዓዘቩ ነገር ክገልጜ ኚሎ፡ ኣብ ውሜጡ ዓቂቡዎ ብዙሕ ዘገርሞ ዝነበሹ ነገር ክመስል፡ ’ህዝቢ ኀርትራ ንኢሳያስ ይፈትዎ እዩ፡ ኢሳያስ ግና ንህዝቢ ኀርትራ ኣይፈትዎን እዩ’ ኢሉ ኔሩ። ’ተኹላ’ ኣቶ ኢሳያስ ብሓደ ሞነኜ ቆርበት በጊዕ ዝለብስ ብካልእ ሞነኜ ድማ ንህዝቢ ኀርትራ ዝሃስዩ መፈንጠራታት ዘጻውድ ሰብ ምዃኑ እዩ ኣቶ መለስ ገሊጹ።
ኮይኑ ድማ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣብቲ ዘካዚዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ መርገጺኡ ብዓውታ ካብ ዘፍልጥ ንድሓር፡ ሃገራዊ ሚብሓታት ኀርትራ ንኚበላሹ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን። ውህደት ኀርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንዝብል ዕላማኡ ንኞዕወት መንጾፍ ዚንብሩ እዮም ኢሉ ንዝኣመነሎም ንኀርትራ ዘዳኜምዋ ዝተፋላለዩ ስጉምታት ወሲዱን ይወስድ ኣሎን።
እቶም ስጉምታት፡ 1) ንመንእሰያትን ህዝቢን ኀርትራ ካብ ሃገሮም ብምስጓግ ንኀርትራ ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶ ሃገር ኚምትኞውን ምግባር፡ 2) ንብምሉኊም መንግስታዊ መሳርዕ ኀርትራ ደሹጃ ብደሚጃ ብዘገምታ ምዝራግ፡ 3) ንኹሉ-መዳያዊ ምሕደራ ሃገሹ ኀርትራ ምብልሻው፡ 4) ስርዓተ ሕጊ ዘይክተሉ ማእሰርቲን ጭውያን መቕተልቲን ኹምዝበዝሑ ጌርካ ኣብ ውሜጢ ሕብሚተሰብና ራዕዲን ፍርሂን ኚምኡ እውን ሓድሕድ ዘይምትእምማን ኣስሪጜካ ህዝባዊ ተቓዎሞታትን ቃልሲታትን ኣብ ኀርትራ ኚምዝይብገሱ ምግባር፡ 5) ዲክታተራዊ ስርዓተ መንግስቲ ብኣታሓሳስባን ብግብሪን ብህዝቢ ኀርትራ ቀስ ብቐስ ኹምዝርዓም ምግባር፡ 6) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኀርትራ ወጺእካ ብውልቀን ብእኩብን ሓሳብካ ክትገልጜ ንዝሕግዘካ ቅዋማዊ መሰልን ናጜነትን ምንፋግ፡ 7) ንናይ ኀርትራ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ምዝራግን ምስሊ ኀርትራ ኣብ ዓለም ምድዋንን፡ 8) ንሰራዊት ኀርትራ ብዘገምታዊ መስርሕ ብምሕቃቕ ንግብራዊ ህላወ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስራዝ፡ 9) ብዓቢኡ ክኣ ን’ሃገርነት’ ኀርትራን ’ሃገራዊነት’ ኀርትራውያንን ምድምሳስ፡

ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ ዚጠቓልሉ። እቶም ኣዕነውቲ ስጉምታቱ ኣብ ዝተፈላልዩ እዋናት ዝተፈላለዹ መልክዕን ዝርዝርን ይሕዙ እዮም። ይኹን እምበር ዕላምኩምን ትሕዝቶኊምን ብንጹር ዝተፈልጠ ስለዝኟነ ኣንጻሮም ዕቱብ መኾተ ብምክያድ ክቕልበሱ ዝኜእሉ እዮም።
ኣቶ ኀርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ሞቶኡ ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ስትራተጂ ብገዚፍ ምስዝጥመት ክኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሹዱሜተ ጹናፍር ጠሚርካ ኹተቕርቩ ዝክእል እዩ። 1) ንህዝቢን ሃገርን ኀርትራ ኹም ሓደ ባዕዳዊ ወተሃደራዊ ጞላኢ ጌርካ ምውሳድ። 2) ኣብ ኩሎም ዝውሰዱ ስጉምታት ናይ ምትላልን (deception) ምዕናውን (destruction) ሜላ ምጥቃም። 3) ንህልዊ መሓውርን ኣካይዳን ምሕደራን መንግስቲ ኀርትራ ፍጹም ብምዕናው ንኀርትራ ውድቕቲ ሃገር (failed State) ምግባር። 4) ኀርትራውያን ስራሕ ስኢንናን ብኹሉሙሉ ስቓይ በዚሑናን ክንስደድ እሞ ንኀርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ወራር ዝምክት ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶሜ ሃገር ኮይና ኚምትተርፍ ምግባር። 5) ንኹሎም ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኀርትራ ምብልሻው። 6) ሃገርና ብባዕዳዊ ሓይሊ ተጎቢጣ ንኜትድምሰስ ዘመቻቜእ ኩነት ኣብ ባይታ ምውዳድ።
ናይ ኢሳያስ ናይ ጥፍኣት ስትራተጂን ሜላን ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ 1941 ኣብ ጉዳይ ኀርትራ ዝነበሹን መርገጺን ኣቶ ኢሳያስ ሎሚ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺን ይመሳሰል እዩ። እቲ ፍልልይ፡ ናታተን ግዳማዊ ናቱ ድማ ውሜጣዊ ሹቛሒ ብምዃኖም ጥራይ እዩ። ግና ናይ ኣቶ ኢሳያስ መርገጺ ካብ ናታተን ብዝያዳ ይኞፍእ።
ኣብቲ ንነብሱን ንልኣኜቱን ንኚዕግብ ዝተለሞ ስትራተጃዊ ኣዕናዊ መደብ ምእንቲ ተዓዊቱ ክውጜእ ንኣቶ ኢሳያስ ግድነት (must) ክልተ ቅድመ-ተደለይቲ (prerequisites) ሚቛሕቲ ክሚጋገጜሉ ኣድልዮሞ። ንሳቶም፡ 1) ብስልጣን ዝወዳደሮ ሰብ ክህሉ ዘዚፍቅድ ዝልዓለ ዲክታቶራዊ ቊታ ብሒትካ ምሓዝን 2) ሃገራዊ ባይቶኣዊ ምርጫ ኹይግበር ብምኜልካል ኣብ ቊታ ስልጣን ንነዊሕ እዋን ምጜናሕን እዮም።
ኣብ ዝልዓለ ቊታ ስልጣን ኮፍ ምባል ሓለፋ ኣሎዎ። ንኣቶ ኢሳያስ ንዝደለዮ ጉዳይ ብዝውሓደ ዕንቅፋት ክውስንን ኚተግብርን ይሕግዞ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ቊታ ስልጣን ምጜናሕ ድማ ንመደቡ ብምድህላልን ብምትላልን ኚተግብር ዘጋላብጥ እኹል ግዜን ዕድልን ንክህልዎ ይሕግዞ።

ምዕራፍ (16) ዓሰርተ ሜዱሜተ
ምፍጣርን ዕማማትን ህግደፍ

ህግደፍ ብጜሑፍን ብንባብን ህዝባዊ ግንባር ንዎሞክራሲን ፍትሒን እዩ። ብክልሰ-ሓሳብ ደሹጃ፩ ግንባር፡ ዝተወደበ ናይ ቃልሲ ባይታን መስርሕን ዕድልን እዩ። ህዝባዊ፡ ንናይ ህዝቢ ሚብሓታት

ዘቐድምን ዘገልግልን እዩ። ዎሞክራሲ፡ ብተሳታፍነት ህዝቢ ንህዝቢ ዝምሕደር ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ። ፍትሒ፡ ራህዋን ማዕርነት ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊን ዘሚጋግጜ ናጜነት ዝርኹቩ ኩነት እዩ።
ናይ ህግደፍ ስምን ተግባራትን ግና ተጻሚርቲ እዮም። እቲ ጥዑም ስሙ መሕብኢ ወይ መጎልበቢ ናይ እኚይ ተግባራቱ ኮይኑ። ተግባራት ህግደፍ ምስዚ ዝተዘርዘሹ መግለጺታት እዚ ብፍጹም ኣይቃደዉን እዮም። ህግደፍ ወካሊ ናይ ህዝቢ ኀርትራ መሲሉ ክቐርብ ፈቲኑ ኣብ ግብሪ ዘይተዓወተ ምስሉይን ፍሹልን ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) እዩ። ነዚ ክክሓድ ዘይክኣል ሓቂ እዚ ክኣ ህግደፍን ፈጣሪኡ ኢሳያስን ፈሊጩሞ ኣሎዉ።
ምፍጣር ህግደፍ
ኣቶ ኢሳያስ፡ ናጜነት ኀርትራ ኣብ 1993 ብሚፈሚንደም ተደምዲሙ ምስተኣወጀ፡ ንውድብ ’ህግሓኀ’ ኣሰሪዙ መጋበርያ ናቱ ንኜኟኖ ሓዲሜ ኩርዌላዊ (Orwellian) ውድብ ’ህግደፍ’ ፈጢሩ። ህግደፍ ንህግሓኀ ክትክእ ኢሉ ኣይቆመን። ቅድሚ ምፍጣሩ ብኣቶ ዘራጊቶን ደገፍቱን ፍሉይ ሰሚት ተነቢሩሉ እዩ። ንሜሙ ሰልፊ ተብሂሉ ኣናተጞውዐ ኹም መባድልቲ ናይ ስሩዕ መንግስቲ ኀርትራ ኮይኑ ንኜንቀሳቐስ ተሓሲቡ እዩ ተፈጢሩ። ንነብሱ ኹም መተካእታ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ ኹም ቅያር ናይ ሓጋጊን ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላት መንግስቲ ኀርትራ ጌሩ ክቖጜራ ኚምዝኜእል ኮይኑ እዩ ተዋዲዱ። ብግብሪ ክኣ ኚምኡ ኮይኑ።
ተጋደልቲ ህግሓኀ ክምእንፈልጊ፡ ኣብ እዋን ብሚታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ዉሜጢ ህግሓኀ ተሓቢኡ ዝተንቀሳቐሰ ምስጢራዊ ’ዎሳዊ ሰልፊ’ ኔሩ። ግዜ ብዝሕለፈ እቲ ዎሳዊ ሰልፊ ናብ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ተቐይሩ። ካብ 1987 ንድሓር ክኣ ኣብ ውሜጢ ውድብ ህዝባዊ-ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኀርትራ ተሟጒጡ። ናጜነት ምስተኣወጀ ህግሓኀ ወግዓዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኀርትራ ስለዝኟነ ኹም ውድብ መጠን ተደምሲሱ። ናጻ ኀርትራ ብስነ-ሓሳብ ’ዎስነት’ ወይ ’ማሕበርነት’ ዘይኮነት እሲ ብስነሓሳብ ’ማሕበራዊ ፍትሒ’ እትምራሕ ሃገር ክትኚውን ምዃና ድሮ ኣብቲ ኣብ 1987 ዝተኻዚደ ናይ ህግሓኀ ሃገራዊ ውድባዊ ጉባኀ ተወሲኑን ተደምዲሙን እዩ።
ውድብ ህግሓኀ ምስ ቅሃመ መብዛሕትና ተጋደልቲ፡ ብዝያዳ ድማ እተን ንፖለቲካ ህግሓኀ ጥራይ ዝፈልጣ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ፡ ኣብ ናይ 1994 ’ጉባኀ ናቕፋ’ ንዕላማታት ናይ ህግሓኀ ዝቕጜሎ ሓዲሜ ውድብ ’ህግደፍ’ ነቑውም ዘለና መሲሉና ኔሩ። ህግሓኀ ንምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኀርትራ ይቃለስ ስለዝነበሚ ህግደፍ ድማ ነቲ ድሕሪ ምርግጋጜ ናጜነት ዝተሹፈና ዕማም ’ምርግጋጜ ሓርነት ኀርትራ’ መሪሑ ዘቃልሰና ውድብ መሲሉና። ተጋጊና። ህግደፍ ንህዝቢ ኀርትራ ዘይውክል ውድብ እዩ ክኜውን ኢልና ኣይገመትናን።
ህግደፍ፡ ስሙ ኹም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኀርትራ ፍትሒን ዎሞክራሲን ኚስፍን ክሰርሕ ይግብኊ ኔሩ። ንሱ ግና ፍትሒን ዎሞክራሲን ኣብ ሃገርና መዓልታዊ ክርገጹን ክድምሰሱን ኹለዉ እናተዓዘበ ክጣበቐሎምን ያዕ ክብልን ኣይተራእዚን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክኹላኾለሉን ንሓድነት ህዝቢን መንእሰይን ኀርትራ ድማ ኚፍርስን እዩ ሰሊጡዎ።
ህግደፍ፡ ዓመት-መጾ ሰሚናር ዘካይዱ ዝብሎም በጻሕቲ (tuorists) ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርኚቡ ማሕበሹ ኮማት ኀርትራ ይሰድድ እዩ። ኣብቶም ሰሚናራት ንህሉው ኲነታት ሃገርን መንግስትን

ኀርትራ ጠማዚዙ ናብ ተሳተፍቲ ዚቕርቊ። ንህዝብና ሓሶታት ምምጋብ ዝለመደ ህግደፍ ንኹሉ እቲ ኣንጻር ፕሚዚደንት ኢሳያስ ዝቐንዐ ናይ ውሜጢን ናይ ደገን ተቓውሞ ኹም ኣንጻር ሃገርን መንግስቲን ኀርትራ ዝቐንዐ ተጻብኊ ኣምሲሉ ዚቕርቊ። ዘውደኜድኻ ኮሚቲታት ’ህዝባዊ መኾተ’ ፈቐድኡ ዚቕውም። ተሳተፍቲ ሰሚናር እዚን እቲን ውሳነን መርገጺን ወሲዶም እናበለ ነቲ ኣብ ውሜጢ ሃገር ዝርኚብ ህዝቢ ኀርትራ ብሓሶት ዚጋግዮ። ብሰንኩ፡ እቶም ኣብ ውሜጢን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ዝነብሩ ኀርትራውያን ብዛዕባ ህሉዊ ኩነታት ሃገራዊ ጉዳዮም ተጋራጫዊ መሚዳኣታን ኣፍልጊን ይሕዙ። ሓድነቶም ክኣ ብሰላሕታ ይፈርስ።
ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጥራይ ዝነጥፍ ’መንእሰይ ህግደፍ’ (Young PFDJ) ዝተሰምዹ ሓዲሜ ማሕበር ኣቚሙ። ኚምኡ መግበሪኡ ክኣ ነቲ ንኩሎም መንእሰያት ኀርትራ ዝውክል ሃማመትኀ ናብ ሰለስተ ክፋላት ንኜገምዖ ስለዝመደበ እዩ። ካብዚኊም እቲ ሓደ ክፋል ኣብ ኀርትራ ኣሎ። እቶም ክልተ ክፋላት ክኣ ኣብ ወጻኢ። ናይ ህግደፍን ዘይናይ ህግደፍን ተብሂሎም ይፍለዩ። ሰበ-ስልጣናት ህግደፍ ነቶም ኣባላት ናይ ’መንእሰይ ህግደፍ’ ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ጜባሕ መራሕቲ ኀርትራ ክትኮኑ እናበሉ ይሜሕጥዎምን ብህርፋነ-ሹመት ዚስክርዎምን። ዘገርም እዩ። ናይ ኀርትራ ናይ ጜባሕ መራሕታ ድኣ እሞ ግድነት ባዕሎም እቶም መንእሰያት ደቃ እዮም ክኟኑ እምበር መን ካልእ ክኾውን ደልዮም መራሕቲ ህግደፍ!!
ህግደፍ ኣብ ውሜጢ ሃገር ንዘርኚብ ማሕበር መንእሰያት ኀርትራ ኣዳኺሙዎ። ነቲ ብጉባኀ ዝተመርጾ ሕጋዊ ኣቊ-መንበር ሃማማተኀ (ኣቶ ሱልጣን) ካብ ስልጣኑ ብዕልዋ (coup d እEta) ገሊፉ ብኻልእ ብጉባኀ ዘይተመርጾ ዉልቀሰብ ተኪኡዎ። ንጉባኀን ምርጫን ናይቲ ማሕበር ትርጉም-ኣልቊ ጌሩዎ። ንሃማማተኀ ብሕጊ ተውሂቡዎ ንዝነበሹ ’ናይ ህላወ ናጜነት’ ኣሕዲጉ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምሕደራ ናይ ህግደፍ ኣእትዩዎ።
ግዜ ብዝሓለፈ፡ ህግደፍ ነቶም ኣብ ወጻኢን ውሜጢ ሃገርን ተፈላልዮም ተወዲቊም ክኞዱ ዝጾንሑ ክልተ ወገናት ናይ ማሕበር መንእሰያት ኀርትራ ኣብ ሓደ ጠሚሩዎም። ነቶም ’ዘይህግደፋውያን’ ዝተባህሉ መንእሰያት ገሊፉዎም። እቲ ዝድለ ግን ኩሎም መንእሰያት ክሰምሩ እዩ። ስለኟነ ነቲ ንግዚኡ ብግጉይ ቅመራ ተወሲዱ ዘሎ ኣፈናዊ ስጉምቲ ብእወታ ንርእዮ። ኀርትራዊ መንእሰይ ክኣ ነዚ ዳግማይ ተሚኺቡ ዘሎ ናይ ማሕበሩ ሓውሲ ሓድነት ብጥንቃቐ ክዕቅቩ ኣሎዎ።
ህግደፍ፡ ንውዳበ ኀርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ኣይኮነን ኚበላሹ ፈቲኑ። ነቶም ኣብ እዋን ብሚታዊ ቃልሲ ዝተወልዱ እሞ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝመስሚቱ ሃገራውያን ማሕበራት ሰራሕትኛታትን ሓሚስቶትን ሃማደኀን እውን ኣራኻኪቡሎም። ንማሕበር ሓሚስቶት ኀርትራ ኣብኒኑዎ። ንሃማደኀ ኣልሚሱዎ። ንማሕበር ሰራሕተኛታት ኀርትራ ክኣ ብሃኮሰኀ ተኪኡዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ህግደፍ ሓዲስ ቅርጺ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቕስ ዘሎ። ኣርባዕተ ክፍልታት ኣለዉዎ። ክፍሊ 1) ቁጠባ፡ 2) ፖለቲካ፡ 3) ባህሊ፡ 4) ውዳበ፡ ይብሃሉ።
ክፍሊ ቁጠባ። ብኣቶ ሓጎስ ገብሚሂወት ዝምራሕ ዘሎ ክፍሊ እዩ። ንዝተፈላለያ ኣህዱታት ናይ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኀርትራ ንኜዘራርግ ይሰርሕ። እቲ ክፍሊ ሎሚ ብኹሉ ሞነኻቱ ምሒር ሓይሉን ሰዊዱን ናይ ምጜያቕ ዕማሙ ይትግብር ኣሎ። ኩሉ ስልጣኑ ተሓዲጉ ንኩሉ ንብሚቱ

ነናብተን ብግቡእ ዝምልኹተን ኣሃዱታት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኣሚኪቡ ብህጹጜ ክድምሰስ ዝግብኊ ክፍሊ እዩ።
ኣብ 1993 ኣብ ምሕደራ ሃገራዊ ቁጠባ ኀርትራ ክልተ ወገናት ማለት ህግደፍን መንግስቲን ጥራይ ይዋስኡ ኔሮም። ኣብ 1997 ግና ቁጜሮም ናብ ሰለስተ ደይቡ። ናይ ፕሚዚደንት ኢሳያስ ፍሉይ ምሕደራ ቁጠባ ተወሲኹዎም። በብቕሩብ እቲ ካብ ሰለስቲኊም ዝያዳ ዝደኾመ እቲ መንግስታዊ ክፋል፡ እቲ ዝሓዹለ ድማ እቲ ብፕሚዚደንት ኢሳያስ ዝምሕደር ክፋል ኮይኖም። ብህግደፍ ዝምሕደር ክፋል እውን ካብቲ ብፕሚዚደንት ኢሳያስ ዝምሕደር ክፋል እምብዛ ኣይሓመቐን። ክልቲኊም ኮይኖም ንሃገራዊ ቁጠባን ንትካላዊ ኣጋባብ ኣሰራርሓን ኀርትራ ንሹሓኩም ኹምዘገልግል ጌሮም ዓብሊሎሞ።
ኣብ ሃገርና ቅቡልን ግቡእን ኣጋባብ ምሕደራ ሃገራዊ ቁጠባ ምእንቲ ክህሉ ግን ናይ ህግደፍን ፕሚዚደንትን ምትእትታው ግድነት (must) ክስሚዝ ኣሎዎ። ምሕደራ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ምምእዛን ክኾውንን እቲ በዞም ክልተ ፈገራግር ወገናት እዚኊም ዝግበር ስርቂን ምዝራው ሃብቲ ናይ ህዝቢን ግድነት ክትርፍን ኣሎዎ። ኣብ ሃገርና ንተሳታፍነት ብሕታዊ ክፋል ምሉእ ዕድል ዝህብ ብመንግስቲ ኀርትራ ዝምእዘን ስርዓተ ሃገራዊ ቁጠባ ክህሉ እዩ ዝምሚጜን ዝግባእን።
ክፍሊ ፖለቲካ። እዚ ክፍሊ እዚ ብኣቶ ዹማነ ገብርኣብ እዩ ዝምራሕ። ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ብህዝባዊ ተሳትፎ ምእንቲ ኚይካዚድ ይሰርሕ። ባይቶኣዊ ምርጫ ክካዚድ ዘይደልዹሉ ምኜንያት ንዕድመ ስልጣን ናይ ኢሳያስ ምእንቲ ኹነውሕ እዩ። ህዝባዊ ተሳትፎ ዝነጜግ ክኣ ንመሰላት ህዝቢ ዘኜብር ዎሞክርሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኀርትራ ምእንቲ ኚይትኚል እዩ። ኮይኑ ድማ ህግደፍ ሎሚ ነቲ ናጻ ህላወ ዝነበሮ ሃገራዊ ኮሚሜን ምርጫ ኀርትራ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምሕደርኡ ኣእትዩ ፍጹም ኣልሚሱዎ ይርኚብ ኣሎ።
ክፍሊ ፖለቲካ ህግደፍ፡ ዎሞክራሲን መሰላት ህዝቢ ኀርትራን ክግሃሱ፡ ፍትሒን ፍርድን ክዕምጞጹ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኀርትራ ክበላሞዉ፡ ዲክታተርነት ኚጉላዕልዕ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ እናሃሰሰ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ክዕብለል፡ ሃገር ናብ ድኜነትን ድሕሚትን ገጻ ኚተንሞራትት፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ፈቐዶኡ ክህልዉ፡ ወዘተ እናተዓዘበ ተቓውሞ ምእንቲ ኚዚርኢ ርእሱ ኣድኒኑን ጭርኡ ደጒሉን ዝሃድም ዘሎ ብልሹው ክፍሊ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ምብትታን ህዝቢን መንእሰይን ኀርትራ ዓቢ ተራ ይጻወት እዩ። ንስደት ኣይምክቶን። ንናይ ህዝቢን መንእሰይን ጥምሚታት ብሜላ ይዘርጎ። ካብ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ዝፍለ ኣሚኣእያን መርገጺን ንዘለዎም ዕቱባት ኀርትራውያን፡ ’እዚኣቶም ካብ ስራሕ መንግስቲ ኚልግሱ ዝግብኊም ኣባላት ደምበ ተቓውሞ እዮም’ እናበለ ብሓሶት ይጥቅኖም። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዚዳጉኖም። ህዝቢ ኀርትራ ክቃወሞምን ኹውግዞምን ይግብኊ እናበለ ኣንጻሮም ይጉስጉስ። ብሰንኩ፡ መንእሰይን ህዝብን ኀርትራ ሎሚ ኩሉ መሰሉ ብህግደፍን ኣቶ ኢሳያስን ተግሂሱ ብሕጋዊ ኣጋባብ እኳ ኚይእድምን ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ኚዚካይድን ፍጹም ተኞልኪሉ ኣሎ። ህላወ ናይዚ ፋይዳ ዘይርኹቩ ጠፋሜ ክፍሊ እዚ ስለዚ ብህጹጜ ኚብቅዕ ኣሎዎ።

ክፍልታት ባህሊን ውዳበን። ናይ ባህሊን ውዳበን ዝብሃላ ክልተ ክፍልታት ህግደፍ እምብዛ ንጡፋት ኣይኮናን። እቲ ኩላትና ኀርትራውያን እንፈልጊ ኣብ እዋን ብሚታዊ ቃልሲ ተጠርዩን ምስ መድርኜ ተሳንዩን ዝኞይድ እሞ ንህዝቢ ዘንቅሕ ዝነበሹ ዘኹርዕ ሃገራዊ ናይ ባህሊ ንጥፈታት ኣብ ዘበነ ህግደፍ ጠፊኡ። ኣብ እዋን ሰውራ ዝቐርቡ ዝነበሩ ንጥፈታት ባህሊን ስነጥበባትን ብትሕዝቶኊም ንጹራትን ኩሉ-ጎናዊ ንቕሓት ኣብ ኩሎም ተጋደልቲን ህዝቢን ዘስርጹን ኔሮም። ሓድነት ህዝቢ ኀርትራ ክዘርጉን ሃይማኖታዊ ፍልልያት ኚሳውሩን ንዝፍትኑ ሓይልታት ጞላእቲ ብንቕሓት ይብድሁ ኔሮም። ኣንጻር ስምዒታት ትሕቲ-ሃገርነት ዝቃለሱ፡ ንህዝቢ ኀርትራ ጜንዓትን ተስፋን ዘስንቑ፡ እናዛናግዑ ዝምህሩ፡ ወዘተ ዝዓይነቶም ኔሮም።
ሎሚ ኣብ እዋን ህግደፍ ኩሎም እዚኣቶም ዚለዉን። ኹም ናታቶም ዓይነት ፍርያት ዘፍሪ ክእለትን ብቕዓትን ዚለን። ህዝቢ ኀርትራ ብኞመይ ጌሩ ኣንጻር በደልን ግህሰት መሰልን ክብድህን ክቃለስን ኚምዝኜእል ዘሚድኊን ዝውድቊን ንቑሕ ናይ ባህሊ መሪሕ ኣካል ስኢኑ።
ህግደፍ ክፈርስ እዩ
እቲ ኩሉሳዕ ክስልበጥ ዘይስኚፍ ኣቶ ዘራጊቶ ኣብዚ እዋን እዚ ንህግደፉ እውን ክዘርጎ ጀሚሩ እሎ። ህግደፍ፡ ካድራት ንኜምህር ዝጥቀመሉ ቀት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣብ ኹተማ ናቕፋ መስሪቱ። ኣብ ፈለማ እቲ ቀት ትምህርቲ ቀንጠመንጢ ኣስተምሮታት ይህብ ኔሩ። ጾኒሑ ግን ብዛዕባ ዎሞክራሲን ቅዋም ኀርትራን ክምህር ጀሚሩ። ነዚ ክጻወር ዘይክኣለ ዲክታተር ኢሳያስ ነቲ ቀት ትምህርቲ ኣዕጜዩዎ። ንብሚቱን ህንጻታቱን ብምሉኡ ንማእኚል ስልጠና መኮንናት ኣሚኪቡ ጠቕሊሉ ካብ ናቕፋ ክወጜእ ኣዚዙዎ። ሕግደፍ ሕራይ ኢሉ ወጺኡ። መትካእታ ቊታ ስለዘይሚኞበ ግን ክድራት ክሰልጥን ኣይክኣለን። ክምህር ንዝነበሮ መደብ ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣቋሪጹዎ። ’ካድራተይ’ ዝብሎም ምልሙላት እኳ ኚፍሪ ዘይክኣለ ህግደፍ ስለዚ ኢሳያስ ብዝፈነውሉ መጥቃዕቲ ተሃሪሙ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ብርግጜ እውን ዕድሚኡ ሓጺራቶ ክፈራርስ ጀሚሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኀርትራ ብፍትወቱ ኣባል ህግደፍ ክኾውን ዝደሊ ኀርትራዊ ዜጋ ዳርጋ ዚለን። ዝርካቡ እቲ ኣብ ህግደፍ ዝውደብ ዘሎ ሰብ፡ ’ኣባል ኢኻ’ ተብሂሉ ክምዝገብ ዝሕበርን ኹይፈተወ ካርድ ኣባልነት ተውሂቡዎ ግዱድ ወርሓዊ ክፍሊት ናይ ኣባልነት ዝኾፍልን እዩ። ህግደፍ ካብ ዝቐውም ጀሚሩ ናይ ግንባር ሃገራዊ ጉባኀ ክጜውዕ፡ ገምጋም ኚካይድ፡ መሪሕነታት ክቕይርን ሓደስቲ ፖሊሲታትን ስትራተጂያትን ፕሮግራማትን ኚውጜእ፡ ዘይክኣለ ብላሜ ውድብ እዩ።
ኩሉ ምስተባህለን ምስተደመሚን እምብኣር ህግደፍ ምስ ምልጋስ ኣቶ ኢሳያስ ተለኪሙ ፍጹም ክድምሰስ ዝግብኊ ’ፖለቲካዊ’ ሰልፊ ኮይኑ እሎ። ህግደፍ ምስ ኩሎም ኣካላቱን ኣባላቱን ጠቕሊሉ ክፈርስን ንብምሉኡ ንብሚቱን ስልጣኑን ንዝምልኚቶም ኣካላት መንግስቲ ኀርትራ ኚሚክብን ኣለዎ። ምናልባት ንህግደፍ ዝትክእ ካልእ ሓዲሜ ኣካል ክህሉ እንተኣድለዚ ክኣ ሃገራዊ ባይቶ ኀርትራ ኣሎ። ባይቶ ምስወሰነ እቲ ዝምልኚቶ ወገን ብሕጊ ክማልኡ ዘለዎም ቅጥዕታት ኣማሊኡ ሓዲሜ ውድብ ኹቕውም ወይ ንህሉዋት ኚመሓይሜ ይኜእል እዩ።
ህግደፍ፡ ሃይማኖት፡ ሓድነት ህዝቢ ኀርትራ

ህግደፍ ንዕዙዝ ባህሊ ሃይማኖታዊ ስኒት ናይ ህዝቢ ኀርትራ ብቕኑዕ ኣይሓዞን። ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኀርትራ ንዝወሰዶ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ኣይተቓወሞን። ኣብ ኀርትራ ሃይማኖትን ፖለቲካን ብቅዋም መስሚት ዝተፈላለዩን ነብሶም ዝኜኣሉን ክነሶም (secularist system) ኣቶ ዘራጊቶ ነዚ ኩነት እዚ ዘራሪጉዎ። ንንጥፈታት ፖለቲካ ኣብ ውሜጢ ጉዳይ ሃይማኖታት ኣእትዩዎም።
ኣቐዲምና ሃይማኖት ኣብ ዝኟነ ይኹን ሕብሚተሰብ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ምሕሳብን ምንባርን ሕቶ ስለዝኟነ ብቐሊሉ ክግሃስ ዘይግብኊ መሰልን ኣካል ናይ ሃገራዊ ባህሊን እዩ ኢልና ኔርና። ህዝቢ ኀርትራ ነዚ ተገንዚቡን ኣብ መትኚል ሃይማኖታዊ ስኒት ጾኒዑን እናሰርሐን እዩ ድማ ሓድነቱ ዓቂቡ ኣንጻር ኩሎም ዘጋጠሙዎ ብድሆታት ተጻብኊታትን ብዓወት ክቃለስ ክኢሉ። ንኣብነት ኣብ እዋን ሚፈሚንደም፡ ሜዑ ጋሻ ንዝነበሹ ሃይማኖት ጅሆቫ ዊትነስ ገዲፍካ፡ ኩሎም ሃይማኖታት ኀርትራ ኹም ቀደሞም ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ጥሙራትን ስሙራትን ኮይኖም ተቓሊሶም። ተዓዊቶም ክኣ ንህዝቢ ኀርትራ ኣዓዊቶሞ።
ካልእ ኣብነት እውን ኣሎ። መራሕቲ ሃይማኖታት ኀርትራ ዋላ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምምሕዳር ባዕዳዊ ጞላኢ (ኢትዮጵያ) እናሃለዉ እዮም ናይ ሓባር ኮሚቲ ኣቚሞም ንህዝቢ ኀርትራ ብሃይማኖታዊ ስኒት ጠሚሮሞን ኣልዮሞን። ንናጜነት ኀርትራ ኣቃሊሶሞ። ህዝቢ ኀርትራ ድማ ብኹሉ ሞነኻቱ ተዓዊቱ። ህግደፍን ኣቶ ዘራጊቶን ግና ነዚ ክቡር ሃገራዊ ሃይማኖታዊ ባህሊ እዚ ክብሕግግዎ ደልዮም። ፊትንፊት ኣንጻሩ ተቓሊሶም።
ኣቶ ዘራጊቶ ሎሚ ንኣመንቲ ኊርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ክልተ ንኜገምዕ ህልኜ ሓዊሱ ይቃለስ ኣሎ። ኣብ ውሜጣዊ ጉዳያት ሃይማኖት ተዋህዶ ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ ደሚጅኡ ጳጳስ መሪጹ ክምዝዝ ዘኜእሎ ዝኟነ ይኹን ፖለትካዊ ወይ መንፈሳዊ ስልጣን ዘይብሉ ክንሱ፡ ብሲኖደስ ንዝተመርጹ ጳጳስ ኣቡነ ኣንጀንዮስ ’ክቡር መራሒ መንግስቲ፡ ያዕ፡ ትጋገ ኣለኻ’ ስለዝበሉዎ ጥራይ ኣብ ማሕዩር ዳጒኑዎም። ንዕኩም ዝትክኡ ካልእ ጳጳስ ሟይሙ። ኚምኡ መግበሪኡ ምኜንያት ክኣ ንኣመንቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ብሞርሒ እናኚፋፈለ በብተናጞል ኚጥቅዖም ስለዝሓሰበ እዩ ኔሩ። እቶም ኣመንቲ ግና፡ ዝገጠሞም ብርቱዕ ዕንቅፋት ብዘዚገድስ፡ ኹይተገርሁ ኣብ ትሕቲ ጜላል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ዘንጊ ተዓቚቩም ንሰይጣናዊ መጥቃዕቲታቱ ብጅግንነት መኪቶሞን ይምክቱዎ ኣለዉን።
ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ መንጎ ምእመናን ኣስላምን ክስታንን እውን ፍልልይ ክፈጥር ፈቲኑ። ነቲ ኣብ ካባቢ ጥሪ 2014 ብ’ጉጅለ ወዲ-ዓሊ’ ዝተፈጾመ ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓቱ ዝቐንዐ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣቶ ኢሳያስ ሃይማኖታዊ መልክዕ ኚትሕዞ ሃቂኑ። ነቲ ብሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ጌሩ ’እመን ኣይትእመን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘድሚሶ ብሓሶት ዝተጠቕጠቐ ጜሑፍ ኣብ ዓምዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኀርትራ ኣስፊሩዎ። ብሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኀርትራዊ ክርስትና ዝተፈጾመ ሃይማኖታዊ መጥቃዕቲ ’ጂሃድ’ ኣምሲሉ ክግልጟ ፈቲኑ። ህዝቢ ኀርትራ ግን ንሓደገኛነት ናይቲ ጜሑፍ ምስኣንበቊ ንእኚይ ዕላማ ናይ ህግደፍ ተሚዲኡ ነጺጉዎ። ወዮ ወትሩ ኣብ ስኒት ሃይማኖታትና ዝተሰሹተ ሓድነት ኀርትራውያን ምእመናን ብድሌትን ሰይጣናዊ ዘመተን ናይ ኣቶ ኢሳያስን ህግደፍን ኚቶ ኣይተዘርገን!
ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ንጉዳይ ሃይማኖታት ኀርትራ ’ዝኚታተል’ ብኢሳያስ ዝተተኜለ ሓደ ኣካል ኣሎ። እዚ ኣካል እዚ ንኹለን ሃይማኖታት ሃገርና ወግሐ-ጞብሐ ይቱኹቱኞን።

’እዚ ግበራ፡ እቲ ኣይትግበራ’ እናበለ ኣብ ጉዳያተን ጣልቃ እናኣተወ ክእዝዘን ይመጣጠር። ኣብ ገለ እዋናት ንብሚተን ዚሕድገን። ኣብ ገሊኡ እዋናት ክኣ ናይ ገንዘብን ንዋትን ድጎማ ኹምዝውሃበን እናገበሚ ይሜሕጠን። እናሻዕ ንሃይማኖታት ካቶሊክን ኚኒሻን ብሰላሕታ ዚፈራርሀን። ንሃይማኖታት ተዋህዶን ምስልምናን ድማ ካብ ግምጃ መንግስቲ ዓመታዊ ብዝፍኖ ባጀት ጌሩ ይድጉመን። ኹምዚ ዓይነት ኹፋፋሊ ሜላ እዚ ተጠቒሙ፡ ኣይሰልጊን ድኣ እዩ እምበር፡ ኣብ መንጎ ስኒት ሃይማኖታት ኀርትራ ነቕዓት ክፈጥር ህርድግ ይብል። ትኩራት መራሕቲ ሃይማኖታት ኀርትራ ግን ሕጂ እውን እንተኟነ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን ሓድነት ህዝቢ ኀርትራን ንዝመጟም ሞርሒታት ኹም ወትሩ ብንቕሓት እናፍሞሉ ንሜግራቶም ብዓቕሊን ብልቊናን መኪቶም ይሓልፉዎ ኣለዉ።
ኣብ መጻኢ እዋን ስለዚ፡ ካብ ዝሓለፉ ተሞክሮታትና ተምሂርና፡ ንዘኹርዕ ሃይማኖታዊ ቅርስናን ስኒትናን ኚነደልድልን ክንዕቅብን (to consolidate) ዘኜእለና መገዲ ብኣግኡ ክንቅይስ ዚድልዚና። ካብ ቀጥታዊ ቁጜጜር መንግስቲ ናጻ ዝኟነን ነብሱ ዝኜኣለን ዝተመሓዹሾ ኣጋባብ ኣተሓሕዛ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኚነተኣታቱ ዚድልዚና። ንስኒት ናይ ሃይማኖታት ሃገርና ዘተባብዕን ዘወሃህድን ንሃገራዊ ኮሚሺን ንምርግጋጜ ስኒት ሃይማኖታት’ (National Commission for the Assurance of Harmony of Religions—–NCAHR) ዝዓይነቱ ምዕቡል ኮሚሺን ክሃልወና መድልዚና።
ብርኢቶይ፡ ናይ ሃይማኖታትን ቋንቋታትን ኮሌጅ (College of Religions & Languages) ይሃልወና። ኣብቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚታዊ ጜፍሒ፡ ብዛዕባ 1) እንታይነት ሃይማኖትን (The essence of religion) 2) ምንጜጻር ሃይማኖታትን (Comperative religions) ዝምልኚቱ ኹም መእተዊ ዘገልግሉ ትምህርታት (Introductory courses) ክውሃቡ ምተኻእሉ። ካብ ካልኣይ ልዑል ጜፍሒ ንድሓር ክኣ ተምሃሮ ናብ ዝመሚጜዎ ዓይነትን ዓውዲን ሃይማኖት ኣድሂቊም ብጥልቀት ኣብ ዘጜንዕሉን ዝመራምርሉን ጹንፈር (Section for a particular religion) ምኣተዉ። ግና ክኣ ተምሃሮ ንዝመሚጜዎ ፍሉይ ሃይማኖት ብጥልቀት ኚጜንዕዎ ዋላ እኳ እንተኞኣሉ እቲ ዩኒቚርሲቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንክፍሪ ዝሰርሕ ትካል ክኾውን ዚብሉን። ምፍራይ ምእመናን ዕማም ናይቶም መራሕቲ ናይተን ሃይማኖታት እዩ። ኣብ ኣብያተ ስብኚተንን ጾሎተንን ድማ ይፍጞም።
እቲ ዩኒቚርሲቲ፡ ዕቱብ ማዕዳ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንመንግስቲ ዝህቡ፡ ዝኟነ ዓይነት ውልቃዊ ሃይማኖት ንገዛእ ርእሶም ዘለዎም፡ መወኚሳት ክኟኑ ዝኜእሉ፡ ናይ ስነ-ሃይማኖት ፈላጣትን ተመራመርቲን (specialists) ኣብ ምፍራይ ጥራይ እዩ ክነጥፍ።
ሎሚ ፖለቲካ ዓለም ዳርጋ ግሁድ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናሓዘ ይመጜእ ኣሎ። ስለዚ ኀርትራውያን ካብ ዕቱብ ሃይማኖታዊ ንቕሓት ተበጊስና፡ ሓድነትን ስኒትን ሰኒቕና፡ ሃገራዊ ሚብሓታትና ንምዕቃብ ምስ በብዓይነቶም መንግስታት ዓለም ብብቕዓትን ብሓድሕዳዊ ኣኜብሮትን ክንዋሳእ ክንክእል ይግብኣና እዩ።

Eritrea Today