Book By Former Eritrean Minister Berhane Abrehe, Eritrean Minister of Finance. The will soon be available in the market. According to the information, the book titled, ”Eritrea Hagerey [Eritrea My Country].
He was part of the PFDJ party and never voice nor resigned while the Government put millions of people in jail including EPLF fighter AKA G15. Now that he is layoff and his wife put in jail; getting back at the president.

Promote by Kubrom Dafla who was HGDF / PFDJ party (09/Red Sea Manager, Eritrean Airlines and also he was managed different Government Agency in Eritrea but he made them out of business or took unclassified sum of money for his own gain.
Kubrom Dafla is now telling Eritreans to buy 2 to 5 books for each person so that the authors and himself would gain financial of the book sales.

Here is the 12 page Executive book summaries, judge yourself.

ኢሳያስ ንፋስ ዘራጊቶ፡
ጸረ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን

እዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ባህርያትን እንታይነትን ኣቶ ኢሳያስ ብምትኳር ንክልተ ጉዳያት የድህበሎም። ብሓደ ሸነኽ፡ ኣቶ ኢሳያስ ብህጹጽ ካብ ስልጣኑ ክግለፍ ከምዝግብኦ ንዝገልጹ ምኽንያታት ንኽፍለጡ ዝሕግዝ ጥጡሕ ባይታ የንጽፍ። ብካልኣይ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ንኣቶ ኢሳያስ ዝመስሉ ንምዕናውን (destruction) ምትላልን (deception) ከም መሰረታውያን ናይ መቃለሲ መሳርሒታት ጌሮም ዝጥቀሙ ኣዝዮም ሓደገኛታት ውልቀሰባት ክቕልቀሉ ተኽእሎ ስለዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚኣቶም ብኣጋ ንኸለሊን ንኽምክትን ዝሕግዞ ንቕሓት ንኸጥሪ የዘኻኽር።
ኢሳያስ ንፋስ ዘራጊቶ።
ኩላትና ካብ ዓውደ ስነ-ፍልጠት ከምእንፈልጦ (tornado) መቸም ዘራጊቶ ፍሉይ ዓይነት ኣዕናዊ ንፋስ እዩ። ጥዑም ልኡም ንፋስ (breeze) ኣይኮነን። ካብ ንፋስ ህቦቡላ (hurricane) ብዝዛይድ ናህሪ ዝውንጨፍ ዘይቅዱዊ ዓይነት ንፋስ እዩ። ንፋስ ህቦቡላ ብሓፈሽኡ ኣስታት 120-160 ኪሜ ኣብ ሰዓት ንጋድም ይጉዓዝ። ንፋስ ዘራጊቶ ግና ብሓፈሽኡ ኣስታት 160-480 ኪሜ ኣብ ሰዓት ንጋድምን ንሰማይን (ንትኹል) ገጹ እናተጓዕዘ ቅርጺ-ዋንጫ ሒዙ ዕንክሊል ዝሰርሕን ኣብ መገዱ ንዝጸንሑዎ ነገራት መመጽዩ መናጢሉ ዝወስድን ኣዕናዊ ንፋስ እዩ። ንፋስ ዘራጊቶ ስለዚ ብባህሪኡን ተግባራቱን ተፈታዊ ዓይነት ንፋስ ኣይኮነን።
ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብዝፍጽሞም ጸይቂታትን ኣዕናዊ ባህርያቱን ተጠሚቱ፡ ኣቶ ኢሳያስ ከም ተምሳል ናይ ንፋስ ’ዘራጊቶ’ ኮይኑ ክሕሰብን ክግለጽን ዝክኣል ሰብ እዩ። ንናይ ሃገርና ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ፖለቲካ ከዕኑን ክዝርግን ብመደብን ብባህታን ዝሰርሕ ዘራጊቶ እዩ።
ሕጂ ኣብ ዘለናዮ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን እናተገረሙ ስለምንታይ እዩ ኣቶ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዘርጎን ዘሳቕዮን ዘሎ? ብምስቓይናን ብምዝራግናን’ከ እንታይ ይረብሕ? እናበሉ ይሓቱ እዮም። እቲ መልሲ ኣብ ውሽጢ ተፈጥሮኣዊን ፖለቲካዊን ባህርያት (natural and political characters) ኣቶ ኢሳያስ እዩ ዝርከብ። ብዝያዳ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሪኡ።
ተፈጥሮኣዊ (ስነ-ኣእምሮኣዊ) ሰብነት ኣቶ ኢሳያስ ካብ ተወርሶን ካብ ኣካባቢን ብዘተዋህቦ ትዕድልቲ ንዝኣከቦ ጠባዩ ይገልጽ። ፖለቲካዊ ሰብነቱ ክኣ ኣብ መስርሕ ናይ ፖለቲካዊ ሂወቱ ንዘጥረዮ ጽቡቕን ሕማቕን ባህሪያት ይገልጽ። ክልቲኦም ተደሚሮም ንምሉእ ሰብነታዊ እንታይነት (essence) ኢሳያስ ይገልጹ። ንዝተፈላለዩ ነገራት ስለምንታይ (motifs) ይገብሮም እውን የብርሁ።

ብወገነይ ንኣቶ ኢሳያስ ብሓቂ ኣብ ተፈጥሮኣዊ (personal natural) ሂወቱ ካብ ቀረባ ኮይነ ኣይፈልጦን እየ። ኣብ ናይ ፖለቲካ (political) ሂወቱ እየ ተፋሊጠዮ።
ኣብ ናይ ቁልዕነት ሂወቱ ብቐረባ ዝፈልጡዎ እሞ ዝገምገሙዎ ገሊኦም ዕቱባት ሰባት ንኢሳያስ ክገልጹዎ ከለዉ ብጽቡቕ ኣየልዕልዎን እዮም። ንባዕሉ ብዱልን ንካልኦት ቆልዑ ዝብድልን ቆልዓ ከምዝነበረ ጌሮም እዮም ዝገልጽዎ። ብዙሓት ሰባት ንኢሳያስ ብውሑዱ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ፡ ጸወታ ’ኣፋራራስ ገዛ’ ዘዘውተረ፡ ህልኸኛ፡ ተንኮለኛ፡ ዘይእመን፡ ቀናእ፡ ቂመኛ፡ ጨካን፡ ብቃንዛ ናይ ተጻረርቱ ዝሕጎስ (Sadist=ሳዲስት)፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ’ስኪዞፍረኒያ’ (schizophrenia) ዝሳቐ፡ ወዘተ ዓይነት ሰብ እዩ ይብልዎ። ተደነቕቲ ድራማታት ዝደርስን ንነብሱን ካልኦት ተዋሳእቲን እናሳተፈ ናብ ተዓዘብቲ ዘቕርብን ኪኢላ ስነ-ጥበበኛ እዩ እውን ይብልዎ እዮም። ብወገነይ ንኢሳያስ፡ ጎራሕ (shrewd)፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ (psychologist)፡ ፈጣሪ-ውርግርግ (mystifier)፡ ምስሉይ (hypocrite)፡ ሞሏቕ (cunning)፡ ተሰልባጢ (flip-flop) ዓይነት ሰብ ኮይኑ ረኺበዮ እሎኹ።
ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ፈጣሪ-ውርግርግ፡ ጎራሕ፡ ምስሉይ ዓይነት ሰብ ብምዃኑ ኣብ ብዙሓት ፖለቲካዊ ብድሆታት ንውልቃዊ ረብሕኡ ብዘገልግል መገዲ እናተዓጻጸፈ ንግዚኡ ይዕወት እዩ። ብዛዕባ ‘ሳዲስት እን ተንኮለኛን ምዃኑ ድማ ንዝቐርቡዎ መሳርሕቱ የልግበሎም እዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ ንሳቶም ንባዕሎም ከምኡ ይኾኑ። እዚ ኣሉታዊ ባህርያት እዚ ኣብ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን መንግስቲ ብኣልማማ ክሰርጽን ብግብሪ ክስርሓሉን ክርአ ከሎ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ የቐንዝዎ እዩ።
ንኢሳያስ፡ ብድምር ናይ ተፈጥሮኣዊን ፖለቲካዊን ባህሪኡ ተጠሚቱ፡ ‘ክፉእ-ዘርኢ፡ ናጤባ ‘ክርዳድ እ፡ ዘይብቑዕ (ሲቪላዊ) መራሒ፡ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝጎድሎ፡ ኣዝዩ ጨካን ሰብ እዩ ክትብሎ ይክኣል እዩ። ’ሰይጣናዊ’ ኢሳያስ ’ንሰብ ዝመስል ኣራዊት’ ብምዃኑ መዓልታዊ ካብ ጽቡቕ ነገር ክሓስብን ክገብርን ክፉእ ነገር ክሓስብን ክገብርን እዩ ንግዚኡ ዘሕልፎ። ኩሉሳዕ እውን ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ጌሩ ክርእያን ኬኽዳን ይህቅን።
ኣቶ ኢሳያስ ’ኣነ ንኻልኦት ዝምህር ፈላጥ እየ’ ኢሉ ንነብሱ ስለዘእምና ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ፍልጠትን ክእለትን ተመኩሮን ክምሃር እምብዛ ኣይደሊን እዩ። ካብ ካልኦት ፈላጣትን ምኩራትን ሰባት ምእንቲ ከይምሃር፡ ነቲ ኣብ ደረጃ ’ውድብ’ (ግንባር) ዝሰርሓሉ ወተሃደራዊ ኣጋባብ ምሕደራ ብደረጃን ኣብ ዉሽጢን ሃገራዊ ሲቪላዊ ምሕደራ ኣእትዩ ብግንጢ ክሰርሓሉ ህርድግ ይብል። ኣይሰልጦን ክኣ። ዕግርግር የስዕብ።
ኣብ ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ብዙሕ ስለዘይደፍአ ምናልባት ግዲ ኮይኑ፡ ንኢሳያስ ሓሓሊፉ ትምህርቲ-ጠቀስ ናይ ነፍሰ-ምትሓት ስምዒት (educational inferiority complex) ይንጸባርቖ እዩ ንኣቶ ኢሳያስ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ቻንስለር ክንሱ ኣብ ስነ-ስርዓታት ምረቓታት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብኣካል ኣይሳተፍን። ዓመት መጸ ወከልቲ ጌሩ ይሳተፍ። ኣብ መፋርቕ 90 እታት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስሊጦም ምንባሮም ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣይርስዕን እዩ።
ኣቶ ኢሳያስ ምስ ምሁራት ለባማት ሰባት ንነዊሕ ግዜ ምዃን ይጸልእ። ካብኣቶም ክምንጥሎ ዝደልዮን ዝኽእልን እሞ ኽኣ ቀልጢፉ ዝርስዖ ገለ ንግዚኡ ዘብለጭልጭ ላህመታዊ ፍልጠት

ምስወሰደ ነቲ ምስኦም ዝጸንሖ ዝምድና ቀልጢፉ የቋርጾ። ንውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ምእንቲ ከይግምትዎ ወይ ከይፈልጡዎ ምናልባት እውን ይኸውን ካብ ምህራት ሰባት ይርሕቕ። ንምሁራት ምእሳርን ምድስካልን ይፈቱ። ክመልኮም እኽእል እየ ምስ ዝብሎም ዓይነታት ሰባት ጥራይ እዩ ንነዊሕ እዋን ’ክትዓራረኽ’ ዝኽእል። ንጹህ ኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ሽግር እንተኣተወ፡ ናብ ስደት ገጹ እንተምርሐ፡ ዋላ እውን ኣብ ኲናት ተጠቢሱ እንተሃለቐ፡ ንኣቶ ኢሳያስ ዘራጊቶ የሐጉሶ እምበር ኣየሻቕሎን እዩ።
ኢሳያስ እቲ ጸረ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ብትውልዲ ኤርትራዊ እዩ። ብመንጽር ፖለቲካ ምስዝጥመት ግና ዘይተቖርመመ ምሉእ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት የብሉን። ብናይ ፖለቲካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውምኡን ዜግነቱን ኢትዮጵያዊ-ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ክኸውን እዩ ዝመርጽ። እዚ ኣባህላ እዚ ዘገርም እኳ እንተመሰለ ግና ሓቂ እዩ።
ኣብ 1993 ናጽነት ኤርትራ ምስተኣወጀ ኣቶ ኢሳያስ ብተብተብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጌሹ። ሽዑ ንኢትዮጵያውያን ’ኣሕዋቱ’ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ጌሩ ጋዜጣዊ ዋዕላ (press conference) ኣካይዱሎም። እቲ ፍጻመ እቲ ኣብ ቪድዮ ተሰኒዱ ኣብ ኢንተርነት ሽዑ-ንሽዑ ተዘርጊሑ። ኣገልግሎት ኢንተርነት እትረኽቡ ኤርትራውያን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኣቲኹም ባዕልኹም ነቲ ቪድዮ ርኣይዎን ንዘረባ ኣቶ ኢሳያስ ስምዕዎን። እቲ ኣድራሻ፡

or http:/yout.be/rthKX-ymawE

እዩ። ኢንተርነት ንዘይረኸብኩም ተገደስቲ ድማ ፍረ ዘረብኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ጽሟቕ እንሆ ይቐርብ ኣሎ።
ኣቶ ኢሳያስ ንዝተዛረቦ ንምድጋም፡ ‘ኣነ፡ ዘይከም ካልኦት ሰባት፡ ብናይ ሃገራት ዶባት ኣይኣምንን እየ። ብዛዕባ ዶብ ንዝህሉ ስምዒታት ድርብ ዜግነት ሂብካ ክትፈትሖ ይክኣል እዩ። ማለት፡ ኢትዮጵያዊ ብተወሳኺ ናይ ኤርትራ ዜግነት ይህልዎ ኤርትራዊ ድማ ከምኡ ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ይህልዎ። ነዊሕ ግዜን ዕድልን ኣጥፊእና ኣለና። ሃየ ናብዚ ዕላማ እዚ ተቓላጢፍና ንበገስ ኢሉዎም።
’ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮንፈደረሽን ወይ ፈደረሽን ይሃሉ ማለትካ ዲኻ?’ ዝብል ሕቶ ንኣቶ ኢሳያስ ካብ ሰማዕቱ ምስቀረበሉ ድማ ’ኣይፋል፡ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ይሃሉ ኣይብልን ኣለኹ፡ እንታይ ድኣ ምሉእ ውህደት (ብቓላቱ፡ full integration) ይሃሉ እየ ዝብል ዘለኹ’ ብምባል መሊሱሎም። እቲ ነገር ዝደንጸዎም ሰማዕቲ፡ ’ምሉእ ውህደት መዓስን ብኸመይን እዩ ክትግበር? ኣብ እዋን ፕረዚደንትነትካ እኸ እንታይ ኢና ክንጽበ?’ ኢሎም ምስሓተቱዎ ’ነዊሕ ግዜን ብርቱዕ ስራሕን ዝወስድ ዕማም እዩ። ግን ነቲ መስርሕ ሕጂ ንጅምሮ ኣለና’ ኢሉዎም። ዕላማ ሽቶኡ ንኸውቅዕ 1) ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ድሌት ከምዘለዎን 2) ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑን

ኣሚቱሎም። ኢሳያስ ነሕዋቱ ’ኪኖ እዋን ፕረዚደንትነተይ ዝቕጽል ዕማም እዩ’ ይብሎም እሞ ንመደባቱን ኣታሓሳስብኡን ብኸምዚ ዝስዕብ ጌሩ ሓውሲ ዝርዝር ኣቢሉሎም።
’ቅድም ቁጠባዊ ውህደት እዩ ክህሉ። ድሕሪኡ ናብ ፖለቲካዊ ውህደት ብምስጋር ናብ ምሉእ ውህደት ይብጻሕ። ቁጠባዊ ውህደት ንኽህሉ ድሮ ንጻዕርታትና ጀሚርናዮ ኣለና’ ኢሉዎም። ብኣቅጫጭ ናይ ዘረብኡ ዝተገረሙ ሰማዕቲ ኩሉ እቲ ዝተነግሮም ’ብዘይኩታኽን ወለል በላ’ ዝዓይነቱ ኮይኑ ተሰሚዑዎም።
ኢሳያስ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብምስጢር ዘተግብሮ ዝነበረ ’ንሰውራ ኤርትራ ከይተዓወተ ከሎ ኣበርዕኖ’ ዝብል እምነቱ ብዓወት ሰውራ ኤርትራ ምስፈሸሎ ኣብ እዋን ናጽነት ንኽቕጽሎ መደብ ከምዝሓንጸጸ ብጋህዲ ገሊጹ። ክሳብ ቅዋም ኤርትራ ዝእወጅን ባይቶ ኤርትራ ዝቐውምን ክጽበ ኣይደለየን።
ንኢሳያስ ሽዑ ወደባት (ports) ዓሰብን ባጽዕን ኣብ ዓይኑ ይርኣይኦ ኔረን ይኾና እየን። ንድሌትን ርእይቶን ህዝቢ ኤርትራ ከይተወከሰ ካብ ናይ ውልቁ ጥሙሕ ነቒሉ እዩ ኣህተፍቲፉ። ናይ ዉልቁ ስትራተጃዊ መደብ እዩ ንኢትዮጵያውያን ’ኣሕዋቱ’ ገሊጹሎም። ዘረብኡ ከቶ ንመርገጺ መንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን።
ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ስለምንታይ ድኣ ኣቶ ኢሳያስ ይዘራርገናን የሳቕየናን ኣሎ? ስለምንታይ’ከ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ይኣቢ? እንታይ እዩ ረብሓታቱ? እናበሉ ወርትግ ንዝሓቱዎ ሕቶ እምብኣር እንሆ መልሱ ካብቲ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቡ እሎ።
ኢሳያስ፡ ካብ መትከሉ ተበጊሱ፡ ንናይ ኤርትራ ናጽነትን ልምዓትን ዝድግፍ ሰብ ኣይኮነን። ገለ ኤርትራውያን ግና ’ኣይፋል’ ይድግፍ እዩ ዝብሉ ኣሎዉ። ኢሳያስ ሃገራዊን ዉፉይን ተቓላሳይ እዩ ኔሩን ዘሎን ይብሉ። እዚ ብናታቶም ርድኢት እዩ። ኢሳያስ ባዕሉ ከምዝገለጾ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምሉእ ዉህደት (full integration) ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ነዊሕ እዋን ዋላ ይውሰደሉ፡ ኣትኪሉ ክቃለስ እዩ ተበጊሱ ዘሎ።
ዝያዳ ምርግጋጽ የድልዮ እምበር ብዙሓት ወገናት ንኣቶ ኢሳያስ ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሩ ምስ ሲኣይአን ሞሳድን ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ልኡላዊት ናጻ ኤርትራ ህያው ንኸይትኸውን ዝነጠፈ ’ሰርሳሪ’ (mole) ’ኤርትራዊ’ ሰላዪ (spy) እዩ እዮም ዝብሉ። ኩላትና ከምእንፈልጦ፡ ኤርትራውያን ብረት ኣልዒልና ንናጽነት ሃገርና ዝተቓለስና ፍሉጥ ዶብ ዘለዋ ናጻ ሃገርና ዳግማይ ከነረጋግጽ እሞ ተቓላጢፍና ከነልምዓ ክንጅምር ኔሩ ሸቶና። ዶባታ ዝተሓንጸጹላ ናጻ ሃገርና ንኽንረክብ ተሰዊእና፡ ደሚና፡ ቆሲልና፡ ሰንኪልና፡ ልግዐ ንእስነትናን ዕድላትናን ወፊና። ኣብ 1998 ዶብናን ልኡላውነት ሃገርናን ንከነውሕስ ኣንጻር ’ዉዲታዊ’ ወራር ወያነ መኪትና። ኩሉ ዓይነት ክቡር ዋጋ ከፊልና። ኣብ ክልቲኦም ናይ ኲናት ብድሆታት ተዓዊትና።
ኣብ ታሪኽና ንዘልኣለም ብኽብሪ እንዝክሮ፡ መንእሰይ ’ዋርሳይ’ ማዕረ እቲ ሓዉን ኣያኡን ዝኾኖ ወለዶ ’ይክኣሎ’ ኣብ ግንባር ኲናት ተሰሊፉ ንዘይተጸበዮ ብድሆ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራ ክብል ብጅግንነት ከምዝተሰውአን ከምዝሰንከለን እዩ!

ኤርትራውያን እምብኣር ዘሕዝንን ዘሐጉስን ዘኹርዕን ሕዉስዋስ ክቡር ታሪኽ እዩ ዘሎና። ነዚ ክቡር ታሪኽና እዚ እሞ ንጠላም ኣቶ ኢሳያስ ዲና ክንገድፈሉ? ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ኮይኑ ሓንዳይ ንኽጻወተሉ? ዘበትከ! ከምኡስ ኣይክንገብርን ኢና። ኩላትና ኤርትራውያን ኩሉሳዕ ዶባታ ዝተሓንጸጸላ ልኡላዊት ሃገር ንዘልኣለም ንኽትህልወናን ልምዕቲ ንኽትኮነልናን ኢና ንሰርሕን ንነብርን!
ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ ኩሎም ናይ መኸተ እዋናት፡ ’ንይምሰል’ ብኣካል ምሳና ምስ ኤርትራውያን ተሳቲፉ እኳ እንተኾነ፡ ብኣታሓሳስባን ዕላማን ግና ምሳና ኣይነበረን። ኣብ ኩሉ ዝተሓፍሰ ዓወታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መትከላዊ ስትራተጂያዊ ዕላምኡን ድሌቱን ስለዝኾኖ፡ ዕረ እናጥዓሞ እዩ ምስሉይ ባህሪኡ እናዓቀበ ምሳና ተጒዒዙ።
ተንኮለኛ ኣቶ ኢሳያስ ንትሕዝቶ ናይቲ ንኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ዝሃቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ንኤርትራውያን ’ብጾቱ’ ኣይሓበረናን። ኤርትራውያን ስለዚ ንመግለጺኡ ኣብ እዋኑ ኣይፈለጥናዮን። ክኢላ ሰራሒ ድራማ ስለዝኾነ ነዚ ክእለቱ እዚ ተጠቒሙ ን ’ሓቂ’ ንነዊሕ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ካባና ሓቢኡዋን ኣዘንጊዑ ኣታሊሉናን። ንሕና እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊኡ ’ሕልማዊ’ እምነት ኣንቢርና ምስኡ ንጉዓዝ ስለዝነበርና ኣይጠርጠርናዮን። ኢስራኤልን ብሪጣንያን ኣመሪካን ልዕሌና ብምዃን ንመግለጺኡ ኣብ እዋኑ ፈሊጠንኦ። ንስትራተጃዊ ረብሐአን ስለዝገለጸ ብሓጎስ ተቐቢለንኦ።
ኣቶ መለስ ዜናዊ ሓደ እዋን ብዛዕባ ከዳዕ ኣቶ ኢሳያስ ንዝተዓዘቦ ነገር ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ዓቂቡዎ ብዙሕ ዘገርሞ ዝነበረ ነገር ክመስል፡ ’ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳያስ ይፈትዎ እዩ፡ ኢሳያስ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ኣይፈትዎን እዩ’ ኢሉ ኔሩ። ’ተኹላ’ ኣቶ ኢሳያስ ብሓደ ሸነኽ ቆርበት በጊዕ ዝለብስ ብካልእ ሸነኽ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃስዩ መፈንጠራታት ዘጻውድ ሰብ ምዃኑ እዩ ኣቶ መለስ ገሊጹ።
ኮይኑ ድማ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣብቲ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ መርገጺኡ ብዓውታ ካብ ዘፍልጥ ንድሓር፡ ሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ንከበላሹ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን። ውህደት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንዝብል ዕላማኡ ንኸዕወት መንጸፍ የንብሩ እዮም ኢሉ ንዝኣመነሎም ንኤርትራ ዘዳኽምዋ ዝተፋላለዩ ስጉምታት ወሲዱን ይወስድ ኣሎን።
እቶም ስጉምታት፡ 1) ንመንእሰያትን ህዝቢን ኤርትራ ካብ ሃገሮም ብምስጓግ ንኤርትራ ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶ ሃገር ከምትኸውን ምግባር፡ 2) ንብምሉኦም መንግስታዊ መሳርዕ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ብዘገምታ ምዝራግ፡ 3) ንኹሉ-መዳያዊ ምሕደራ ሃገረ ኤርትራ ምብልሻው፡ 4) ስርዓተ ሕጊ ዘይክተሉ ማእሰርቲን ጭውያን መቕተልቲን ከምዝበዝሑ ጌርካ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ራዕዲን ፍርሂን ከምኡ እውን ሓድሕድ ዘይምትእምማን ኣስሪጽካ ህዝባዊ ተቓዎሞታትን ቃልሲታትን ኣብ ኤርትራ ከምዝይብገሱ ምግባር፡ 5) ዲክታተራዊ ስርዓተ መንግስቲ ብኣታሓሳስባን ብግብሪን ብህዝቢ ኤርትራ ቀስ ብቐስ ከምዝርዓም ምግባር፡ 6) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ወጺእካ ብውልቀን ብእኩብን ሓሳብካ ክትገልጽ ንዝሕግዘካ ቅዋማዊ መሰልን ናጽነትን ምንፋግ፡ 7) ንናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ምዝራግን ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዓለም ምድዋንን፡ 8) ንሰራዊት ኤርትራ ብዘገምታዊ መስርሕ ብምሕቃቕ ንግብራዊ ህላወ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስራዝ፡ 9) ብዓቢኡ ክኣ ን’ሃገርነት’ ኤርትራን ’ሃገራዊነት’ ኤርትራውያንን ምድምሳስ፡

ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ የጠቓልሉ። እቶም ኣዕነውቲ ስጉምታቱ ኣብ ዝተፈላልዩ እዋናት ዝተፈላለየ መልክዕን ዝርዝርን ይሕዙ እዮም። ይኹን እምበር ዕላምኦምን ትሕዝቶኦምን ብንጹር ዝተፈልጠ ስለዝኾነ ኣንጻሮም ዕቱብ መኸተ ብምክያድ ክቕልበሱ ዝኽእሉ እዮም።
ኣቶ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ሸቶኡ ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ስትራተጂ ብገዚፍ ምስዝጥመት ክኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሹዱሽተ ጨናፍር ጠሚርካ ከተቕርቦ ዝክእል እዩ። 1) ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ከም ሓደ ባዕዳዊ ወተሃደራዊ ጸላኢ ጌርካ ምውሳድ። 2) ኣብ ኩሎም ዝውሰዱ ስጉምታት ናይ ምትላልን (deception) ምዕናውን (destruction) ሜላ ምጥቃም። 3) ንህልዊ መሓውርን ኣካይዳን ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራ ፍጹም ብምዕናው ንኤርትራ ውድቕቲ ሃገር (failed State) ምግባር። 4) ኤርትራውያን ስራሕ ስኢንናን ብኹሉሙሉ ስቓይ በዚሑናን ክንስደድ እሞ ንኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ወራር ዝምክት ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶሽ ሃገር ኮይና ከምትተርፍ ምግባር። 5) ንኹሎም ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኤርትራ ምብልሻው። 6) ሃገርና ብባዕዳዊ ሓይሊ ተጎቢጣ ንኽትድምሰስ ዘመቻችእ ኩነት ኣብ ባይታ ምውዳድ።
ናይ ኢሳያስ ናይ ጥፍኣት ስትራተጂን ሜላን ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ 1941 ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረን መርገጺን ኣቶ ኢሳያስ ሎሚ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺን ይመሳሰል እዩ። እቲ ፍልልይ፡ ናታተን ግዳማዊ ናቱ ድማ ውሽጣዊ ረቛሒ ብምዃኖም ጥራይ እዩ። ግና ናይ ኣቶ ኢሳያስ መርገጺ ካብ ናታተን ብዝያዳ ይኸፍእ።
ኣብቲ ንነብሱን ንልኣኽቱን ንከዕግብ ዝተለሞ ስትራተጃዊ ኣዕናዊ መደብ ምእንቲ ተዓዊቱ ክውጽእ ንኣቶ ኢሳያስ ግድነት (must) ክልተ ቅድመ-ተደለይቲ (prerequisites) ረቛሕቲ ክረጋገጽሉ ኣድልዮሞ። ንሳቶም፡ 1) ብስልጣን ዝወዳደሮ ሰብ ክህሉ ዘየፍቅድ ዝልዓለ ዲክታቶራዊ ቦታ ብሒትካ ምሓዝን 2) ሃገራዊ ባይቶኣዊ ምርጫ ከይግበር ብምኽልካል ኣብ ቦታ ስልጣን ንነዊሕ እዋን ምጽናሕን እዮም።
ኣብ ዝልዓለ ቦታ ስልጣን ኮፍ ምባል ሓለፋ ኣሎዎ። ንኣቶ ኢሳያስ ንዝደለዮ ጉዳይ ብዝውሓደ ዕንቅፋት ክውስንን ከተግብርን ይሕግዞ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ቦታ ስልጣን ምጽናሕ ድማ ንመደቡ ብምድህላልን ብምትላልን ከተግብር ዘጋላብጥ እኹል ግዜን ዕድልን ንክህልዎ ይሕግዞ።

ምዕራፍ (16) ዓሰርተ ሽዱሽተ
ምፍጣርን ዕማማትን ህግደፍ

ህግደፍ ብጽሑፍን ብንባብን ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሒን እዩ። ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፦ ግንባር፡ ዝተወደበ ናይ ቃልሲ ባይታን መስርሕን ዕድልን እዩ። ህዝባዊ፡ ንናይ ህዝቢ ረብሓታት

ዘቐድምን ዘገልግልን እዩ። ዴሞክራሲ፡ ብተሳታፍነት ህዝቢ ንህዝቢ ዝምሕደር ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ። ፍትሒ፡ ራህዋን ማዕርነት ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊን ዘረጋግጽ ናጽነት ዝርከቦ ኩነት እዩ።
ናይ ህግደፍ ስምን ተግባራትን ግና ተጻረርቲ እዮም። እቲ ጥዑም ስሙ መሕብኢ ወይ መጎልበቢ ናይ እከይ ተግባራቱ ኮይኑ። ተግባራት ህግደፍ ምስዚ ዝተዘርዘረ መግለጺታት እዚ ብፍጹም ኣይቃደዉን እዮም። ህግደፍ ወካሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሲሉ ክቐርብ ፈቲኑ ኣብ ግብሪ ዘይተዓወተ ምስሉይን ፍሹልን ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) እዩ። ነዚ ክክሓድ ዘይክኣል ሓቂ እዚ ክኣ ህግደፍን ፈጣሪኡ ኢሳያስን ፈሊጦሞ ኣሎዉ።
ምፍጣር ህግደፍ
ኣቶ ኢሳያስ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ብረፈረንደም ተደምዲሙ ምስተኣወጀ፡ ንውድብ ’ህግሓኤ’ ኣሰሪዙ መጋበርያ ናቱ ንኽኾኖ ሓዲሽ ኦርዌላዊ (Orwellian) ውድብ ’ህግደፍ’ ፈጢሩ። ህግደፍ ንህግሓኤ ክትክእ ኢሉ ኣይቆመን። ቅድሚ ምፍጣሩ ብኣቶ ዘራጊቶን ደገፍቱን ፍሉይ ሰረት ተነቢሩሉ እዩ። ንሽሙ ሰልፊ ተብሂሉ ኣናተጸውዐ ከም መባድልቲ ናይ ስሩዕ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ንኽንቀሳቐስ ተሓሲቡ እዩ ተፈጢሩ። ንነብሱ ከም መተካእታ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ ከም ቅያር ናይ ሓጋጊን ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ጌሩ ክቖጽራ ከምዝኽእል ኮይኑ እዩ ተዋዲዱ። ብግብሪ ክኣ ከምኡ ኮይኑ።
ተጋደልቲ ህግሓኤ ክምእንፈልጦ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ዉሽጢ ህግሓኤ ተሓቢኡ ዝተንቀሳቐሰ ምስጢራዊ ’ዴሳዊ ሰልፊ’ ኔሩ። ግዜ ብዝሕለፈ እቲ ዴሳዊ ሰልፊ ናብ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ተቐይሩ። ካብ 1987 ንድሓር ክኣ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህዝባዊ-ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሾጒጡ። ናጽነት ምስተኣወጀ ህግሓኤ ወግዓዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝኾነ ከም ውድብ መጠን ተደምሲሱ። ናጻ ኤርትራ ብስነ-ሓሳብ ’ዴስነት’ ወይ ’ማሕበርነት’ ዘይኮነት እሲ ብስነሓሳብ ’ማሕበራዊ ፍትሒ’ እትምራሕ ሃገር ክትከውን ምዃና ድሮ ኣብቲ ኣብ 1987 ዝተኻየደ ናይ ህግሓኤ ሃገራዊ ውድባዊ ጉባኤ ተወሲኑን ተደምዲሙን እዩ።
ውድብ ህግሓኤ ምስ ቅሃመ መብዛሕትና ተጋደልቲ፡ ብዝያዳ ድማ እተን ንፖለቲካ ህግሓኤ ጥራይ ዝፈልጣ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ፡ ኣብ ናይ 1994 ’ጉባኤ ናቕፋ’ ንዕላማታት ናይ ህግሓኤ ዝቕጽሎ ሓዲሽ ውድብ ’ህግደፍ’ ነቑውም ዘለና መሲሉና ኔሩ። ህግሓኤ ንምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ይቃለስ ስለዝነበረ ህግደፍ ድማ ነቲ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ዝተረፈና ዕማም ’ምርግጋጽ ሓርነት ኤርትራ’ መሪሑ ዘቃልሰና ውድብ መሲሉና። ተጋጊና። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ውድብ እዩ ክኽውን ኢልና ኣይገመትናን።
ህግደፍ፡ ስሙ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ዴሞክራሲን ከስፍን ክሰርሕ ይግብኦ ኔሩ። ንሱ ግና ፍትሒን ዴሞክራሲን ኣብ ሃገርና መዓልታዊ ክርገጹን ክድምሰሱን ከለዉ እናተዓዘበ ክጣበቐሎምን ያዕ ክብልን ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክከላኸለሉን ንሓድነት ህዝቢን መንእሰይን ኤርትራ ድማ ከፍርስን እዩ ሰሊጡዎ።
ህግደፍ፡ ዓመት-መጸ ሰሚናር ዘካይዱ ዝብሎም በጻሕቲ (tuorists) ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ ማሕበረ ኮማት ኤርትራ ይሰድድ እዩ። ኣብቶም ሰሚናራት ንህሉው ኲነታት ሃገርን መንግስትን

ኤርትራ ጠማዚዙ ናብ ተሳተፍቲ የቕርቦ። ንህዝብና ሓሶታት ምምጋብ ዝለመደ ህግደፍ ንኹሉ እቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝቐንዐ ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ተቓውሞ ከም ኣንጻር ሃገርን መንግስቲን ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻብኦ ኣምሲሉ የቕርቦ። ዘውደኽድኻ ኮሚቲታት ’ህዝባዊ መኸተ’ ፈቐድኡ የቕውም። ተሳተፍቲ ሰሚናር እዚን እቲን ውሳነን መርገጺን ወሲዶም እናበለ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት የጋግዮ። ብሰንኩ፡ እቶም ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዛዕባ ህሉዊ ኩነታት ሃገራዊ ጉዳዮም ተጋራጫዊ መረዳኣታን ኣፍልጦን ይሕዙ። ሓድነቶም ክኣ ብሰላሕታ ይፈርስ።
ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጥራይ ዝነጥፍ ’መንእሰይ ህግደፍ’ (Young PFDJ) ዝተሰምየ ሓዲሽ ማሕበር ኣቚሙ። ከምኡ መግበሪኡ ክኣ ነቲ ንኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ዝውክል ሃማመትኤ ናብ ሰለስተ ክፋላት ንኽገምዖ ስለዝመደበ እዩ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ክፋል ኣብ ኤርትራ ኣሎ። እቶም ክልተ ክፋላት ክኣ ኣብ ወጻኢ። ናይ ህግደፍን ዘይናይ ህግደፍን ተብሂሎም ይፍለዩ። ሰበ-ስልጣናት ህግደፍ ነቶም ኣባላት ናይ ’መንእሰይ ህግደፍ’ ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ጽባሕ መራሕቲ ኤርትራ ክትኮኑ እናበሉ ይሽሕጥዎምን ብህርፋነ-ሹመት የስክርዎምን። ዘገርም እዩ። ናይ ኤርትራ ናይ ጽባሕ መራሕታ ድኣ እሞ ግድነት ባዕሎም እቶም መንእሰያት ደቃ እዮም ክኾኑ እምበር መን ካልእ ክኸውን ደልዮም መራሕቲ ህግደፍ!!
ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘርከብ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ኣዳኺሙዎ። ነቲ ብጉባኤ ዝተመርጸ ሕጋዊ ኣቦ-መንበር ሃማማተኤ (ኣቶ ሱልጣን) ካብ ስልጣኑ ብዕልዋ (coup d እEta) ገሊፉ ብኻልእ ብጉባኤ ዘይተመርጸ ዉልቀሰብ ተኪኡዎ። ንጉባኤን ምርጫን ናይቲ ማሕበር ትርጉም-ኣልቦ ጌሩዎ። ንሃማማተኤ ብሕጊ ተውሂቡዎ ንዝነበረ ’ናይ ህላወ ናጽነት’ ኣሕዲጉ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምሕደራ ናይ ህግደፍ ኣእትዩዎ።
ግዜ ብዝሓለፈ፡ ህግደፍ ነቶም ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ተፈላልዮም ተወዲቦም ክኸዱ ዝጸንሑ ክልተ ወገናት ናይ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓደ ጠሚሩዎም። ነቶም ’ዘይህግደፋውያን’ ዝተባህሉ መንእሰያት ገሊፉዎም። እቲ ዝድለ ግን ኩሎም መንእሰያት ክሰምሩ እዩ። ስለኾነ ነቲ ንግዚኡ ብግጉይ ቅመራ ተወሲዱ ዘሎ ኣፈናዊ ስጉምቲ ብእወታ ንርእዮ። ኤርትራዊ መንእሰይ ክኣ ነዚ ዳግማይ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ማሕበሩ ሓውሲ ሓድነት ብጥንቃቐ ክዕቅቦ ኣሎዎ።
ህግደፍ፡ ንውዳበ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ኣይኮነን ከበላሹ ፈቲኑ። ነቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተወልዱ እሞ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝመስረቱ ሃገራውያን ማሕበራት ሰራሕትኛታትን ሓረስቶትን ሃማደኤን እውን ኣራኻኪቡሎም። ንማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኣብኒኑዎ። ንሃማደኤ ኣልሚሱዎ። ንማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ክኣ ብሃኮሰኤ ተኪኡዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ህግደፍ ሓዲስ ቅርጺ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቕስ ዘሎ። ኣርባዕተ ክፍልታት ኣለዉዎ። ክፍሊ 1) ቁጠባ፡ 2) ፖለቲካ፡ 3) ባህሊ፡ 4) ውዳበ፡ ይብሃሉ።
ክፍሊ ቁጠባ። ብኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ዘሎ ክፍሊ እዩ። ንዝተፈላለያ ኣህዱታት ናይ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ንኽዘራርግ ይሰርሕ። እቲ ክፍሊ ሎሚ ብኹሉ ሸነኻቱ ምሒር ሓይሉን ሰዊዱን ናይ ምጽያቕ ዕማሙ ይትግብር ኣሎ። ኩሉ ስልጣኑ ተሓዲጉ ንኩሉ ንብረቱ

ነናብተን ብግቡእ ዝምልከተን ኣሃዱታት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኣረኪቡ ብህጹጽ ክድምሰስ ዝግብኦ ክፍሊ እዩ።
ኣብ 1993 ኣብ ምሕደራ ሃገራዊ ቁጠባ ኤርትራ ክልተ ወገናት ማለት ህግደፍን መንግስቲን ጥራይ ይዋስኡ ኔሮም። ኣብ 1997 ግና ቁጽሮም ናብ ሰለስተ ደይቡ። ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ፍሉይ ምሕደራ ቁጠባ ተወሲኹዎም። በብቕሩብ እቲ ካብ ሰለስቲኦም ዝያዳ ዝደኸመ እቲ መንግስታዊ ክፋል፡ እቲ ዝሓየለ ድማ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምሕደር ክፋል ኮይኖም። ብህግደፍ ዝምሕደር ክፋል እውን ካብቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምሕደር ክፋል እምብዛ ኣይሓመቐን። ክልቲኦም ኮይኖም ንሃገራዊ ቁጠባን ንትካላዊ ኣጋባብ ኣሰራርሓን ኤርትራ ንረሓኦም ከምዘገልግል ጌሮም ዓብሊሎሞ።
ኣብ ሃገርና ቅቡልን ግቡእን ኣጋባብ ምሕደራ ሃገራዊ ቁጠባ ምእንቲ ክህሉ ግን ናይ ህግደፍን ፕረዚደንትን ምትእትታው ግድነት (must) ክስረዝ ኣሎዎ። ምሕደራ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ምምእዛን ክኸውንን እቲ በዞም ክልተ ፈገራግር ወገናት እዚኦም ዝግበር ስርቂን ምዝራው ሃብቲ ናይ ህዝቢን ግድነት ክትርፍን ኣሎዎ። ኣብ ሃገርና ንተሳታፍነት ብሕታዊ ክፋል ምሉእ ዕድል ዝህብ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምእዘን ስርዓተ ሃገራዊ ቁጠባ ክህሉ እዩ ዝምረጽን ዝግባእን።
ክፍሊ ፖለቲካ። እዚ ክፍሊ እዚ ብኣቶ የማነ ገብርኣብ እዩ ዝምራሕ። ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ብህዝባዊ ተሳትፎ ምእንቲ ከይካየድ ይሰርሕ። ባይቶኣዊ ምርጫ ክካየድ ዘይደልየሉ ምኽንያት ንዕድመ ስልጣን ናይ ኢሳያስ ምእንቲ ከነውሕ እዩ። ህዝባዊ ተሳትፎ ዝነጽግ ክኣ ንመሰላት ህዝቢ ዘኽብር ዴሞክርሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ከይትከል እዩ። ኮይኑ ድማ ህግደፍ ሎሚ ነቲ ናጻ ህላወ ዝነበሮ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምሕደርኡ ኣእትዩ ፍጹም ኣልሚሱዎ ይርከብ ኣሎ።
ክፍሊ ፖለቲካ ህግደፍ፡ ዴሞክራሲን መሰላት ህዝቢ ኤርትራን ክግሃሱ፡ ፍትሒን ፍርድን ክዕምጸጹ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኤርትራ ክበላሸዉ፡ ዲክታተርነት ከጉላዕልዕ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ እናሃሰሰ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ክዕብለል፡ ሃገር ናብ ድኽነትን ድሕረትን ገጻ ከተንሸራትት፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ፈቐዶኡ ክህልዉ፡ ወዘተ እናተዓዘበ ተቓውሞ ምእንቲ ከየርኢ ርእሱ ኣድኒኑን ጭርኡ ደጒሉን ዝሃድም ዘሎ ብልሹው ክፍሊ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ምብትታን ህዝቢን መንእሰይን ኤርትራ ዓቢ ተራ ይጻወት እዩ። ንስደት ኣይምክቶን። ንናይ ህዝቢን መንእሰይን ጥምረታት ብሜላ ይዘርጎ። ካብ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ዝፍለ ኣረኣእያን መርገጺን ንዘለዎም ዕቱባት ኤርትራውያን፡ ’እዚኣቶም ካብ ስራሕ መንግስቲ ከልግሱ ዝግብኦም ኣባላት ደምበ ተቓውሞ እዮም’ እናበለ ብሓሶት ይጥቅኖም። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ የዳጉኖም። ህዝቢ ኤርትራ ክቃወሞምን ከውግዞምን ይግብኦ እናበለ ኣንጻሮም ይጉስጉስ። ብሰንኩ፡ መንእሰይን ህዝብን ኤርትራ ሎሚ ኩሉ መሰሉ ብህግደፍን ኣቶ ኢሳያስን ተግሂሱ ብሕጋዊ ኣጋባብ እኳ ከይእድምን ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ከየካይድን ፍጹም ተኸልኪሉ ኣሎ። ህላወ ናይዚ ፋይዳ ዘይርከቦ ጠፋሽ ክፍሊ እዚ ስለዚ ብህጹጽ ከብቅዕ ኣሎዎ።

ክፍልታት ባህሊን ውዳበን። ናይ ባህሊን ውዳበን ዝብሃላ ክልተ ክፍልታት ህግደፍ እምብዛ ንጡፋት ኣይኮናን። እቲ ኩላትና ኤርትራውያን እንፈልጦ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ተጠርዩን ምስ መድርኽ ተሳንዩን ዝኸይድ እሞ ንህዝቢ ዘንቅሕ ዝነበረ ዘኹርዕ ሃገራዊ ናይ ባህሊ ንጥፈታት ኣብ ዘበነ ህግደፍ ጠፊኡ። ኣብ እዋን ሰውራ ዝቐርቡ ዝነበሩ ንጥፈታት ባህሊን ስነጥበባትን ብትሕዝቶኦም ንጹራትን ኩሉ-ጎናዊ ንቕሓት ኣብ ኩሎም ተጋደልቲን ህዝቢን ዘስርጹን ኔሮም። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርጉን ሃይማኖታዊ ፍልልያት ከሳውሩን ንዝፍትኑ ሓይልታት ጸላእቲ ብንቕሓት ይብድሁ ኔሮም። ኣንጻር ስምዒታት ትሕቲ-ሃገርነት ዝቃለሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጽንዓትን ተስፋን ዘስንቑ፡ እናዛናግዑ ዝምህሩ፡ ወዘተ ዝዓይነቶም ኔሮም።
ሎሚ ኣብ እዋን ህግደፍ ኩሎም እዚኣቶም የለዉን። ከም ናታቶም ዓይነት ፍርያት ዘፍሪ ክእለትን ብቕዓትን የለን። ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ጌሩ ኣንጻር በደልን ግህሰት መሰልን ክብድህን ክቃለስን ከምዝኽእል ዘረድኦን ዝውድቦን ንቑሕ ናይ ባህሊ መሪሕ ኣካል ስኢኑ።
ህግደፍ ክፈርስ እዩ
እቲ ኩሉሳዕ ክስልበጥ ዘይስከፍ ኣቶ ዘራጊቶ ኣብዚ እዋን እዚ ንህግደፉ እውን ክዘርጎ ጀሚሩ እሎ። ህግደፍ፡ ካድራት ንኽምህር ዝጥቀመሉ ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣብ ከተማ ናቕፋ መስሪቱ። ኣብ ፈለማ እቲ ቤት ትምህርቲ ቀንጠመንጢ ኣስተምሮታት ይህብ ኔሩ። ጸኒሑ ግን ብዛዕባ ዴሞክራሲን ቅዋም ኤርትራን ክምህር ጀሚሩ። ነዚ ክጻወር ዘይክኣለ ዲክታተር ኢሳያስ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣዕጽዩዎ። ንብረቱን ህንጻታቱን ብምሉኡ ንማእከል ስልጠና መኮንናት ኣረኪቡ ጠቕሊሉ ካብ ናቕፋ ክወጽእ ኣዚዙዎ። ሕግደፍ ሕራይ ኢሉ ወጺኡ። መትካእታ ቦታ ስለዘይረኸበ ግን ክድራት ክሰልጥን ኣይክኣለን። ክምህር ንዝነበሮ መደብ ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣቋሪጹዎ። ’ካድራተይ’ ዝብሎም ምልሙላት እኳ ከፍሪ ዘይክኣለ ህግደፍ ስለዚ ኢሳያስ ብዝፈነውሉ መጥቃዕቲ ተሃሪሙ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ብርግጽ እውን ዕድሚኡ ሓጺራቶ ክፈራርስ ጀሚሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ብፍትወቱ ኣባል ህግደፍ ክኸውን ዝደሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳርጋ የለን። ዝርካቡ እቲ ኣብ ህግደፍ ዝውደብ ዘሎ ሰብ፡ ’ኣባል ኢኻ’ ተብሂሉ ክምዝገብ ዝሕበርን ከይፈተወ ካርድ ኣባልነት ተውሂቡዎ ግዱድ ወርሓዊ ክፍሊት ናይ ኣባልነት ዝኸፍልን እዩ። ህግደፍ ካብ ዝቐውም ጀሚሩ ናይ ግንባር ሃገራዊ ጉባኤ ክጽውዕ፡ ገምጋም ከካይድ፡ መሪሕነታት ክቕይርን ሓደስቲ ፖሊሲታትን ስትራተጂያትን ፕሮግራማትን ከውጽእ፡ ዘይክኣለ ብላሽ ውድብ እዩ።
ኩሉ ምስተባህለን ምስተደመረን እምብኣር ህግደፍ ምስ ምልጋስ ኣቶ ኢሳያስ ተለኪሙ ፍጹም ክድምሰስ ዝግብኦ ’ፖለቲካዊ’ ሰልፊ ኮይኑ እሎ። ህግደፍ ምስ ኩሎም ኣካላቱን ኣባላቱን ጠቕሊሉ ክፈርስን ንብምሉኡ ንብረቱን ስልጣኑን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ከረክብን ኣለዎ። ምናልባት ንህግደፍ ዝትክእ ካልእ ሓዲሽ ኣካል ክህሉ እንተኣድለየ ክኣ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣሎ። ባይቶ ምስወሰነ እቲ ዝምልከቶ ወገን ብሕጊ ክማልኡ ዘለዎም ቅጥዕታት ኣማሊኡ ሓዲሽ ውድብ ከቕውም ወይ ንህሉዋት ከመሓይሽ ይኽእል እዩ።
ህግደፍ፡ ሃይማኖት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ

ህግደፍ ንዕዙዝ ባህሊ ሃይማኖታዊ ስኒት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብቕኑዕ ኣይሓዞን። ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ንዝወሰዶ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ኣይተቓወሞን። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖትን ፖለቲካን ብቅዋም መስረት ዝተፈላለዩን ነብሶም ዝኽኣሉን ክነሶም (secularist system) ኣቶ ዘራጊቶ ነዚ ኩነት እዚ ዘራሪጉዎ። ንንጥፈታት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሃይማኖታት ኣእትዩዎም።
ኣቐዲምና ሃይማኖት ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ምሕሳብን ምንባርን ሕቶ ስለዝኾነ ብቐሊሉ ክግሃስ ዘይግብኦ መሰልን ኣካል ናይ ሃገራዊ ባህሊን እዩ ኢልና ኔርና። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተገንዚቡን ኣብ መትከል ሃይማኖታዊ ስኒት ጸኒዑን እናሰርሐን እዩ ድማ ሓድነቱ ዓቂቡ ኣንጻር ኩሎም ዘጋጠሙዎ ብድሆታት ተጻብኦታትን ብዓወት ክቃለስ ክኢሉ። ንኣብነት ኣብ እዋን ረፈረንደም፡ ሽዑ ጋሻ ንዝነበረ ሃይማኖት ጅሆቫ ዊትነስ ገዲፍካ፡ ኩሎም ሃይማኖታት ኤርትራ ከም ቀደሞም ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ጥሙራትን ስሙራትን ኮይኖም ተቓሊሶም። ተዓዊቶም ክኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዓዊቶሞ።
ካልእ ኣብነት እውን ኣሎ። መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ዋላ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምምሕዳር ባዕዳዊ ጸላኢ (ኢትዮጵያ) እናሃለዉ እዮም ናይ ሓባር ኮሚቲ ኣቚሞም ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖታዊ ስኒት ጠሚሮሞን ኣልዮሞን። ንናጽነት ኤርትራ ኣቃሊሶሞ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብኹሉ ሸነኻቱ ተዓዊቱ። ህግደፍን ኣቶ ዘራጊቶን ግና ነዚ ክቡር ሃገራዊ ሃይማኖታዊ ባህሊ እዚ ክብሕግግዎ ደልዮም። ፊትንፊት ኣንጻሩ ተቓሊሶም።
ኣቶ ዘራጊቶ ሎሚ ንኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ክልተ ንኽገምዕ ህልኽ ሓዊሱ ይቃለስ ኣሎ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃይማኖት ተዋህዶ ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ ደረጅኡ ጳጳስ መሪጹ ክምዝዝ ዘኽእሎ ዝኾነ ይኹን ፖለትካዊ ወይ መንፈሳዊ ስልጣን ዘይብሉ ክንሱ፡ ብሲኖደስ ንዝተመርጹ ጳጳስ ኣቡነ ኣንጤንዮስ ’ክቡር መራሒ መንግስቲ፡ ያዕ፡ ትጋገ ኣለኻ’ ስለዝበሉዎ ጥራይ ኣብ ማሕዩር ዳጒኑዎም። ንዕኦም ዝትክኡ ካልእ ጳጳስ ሾይሙ። ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያት ክኣ ንኣመንቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ብሸርሒ እናከፋፈለ በብተናጸል ከጥቅዖም ስለዝሓሰበ እዩ ኔሩ። እቶም ኣመንቲ ግና፡ ዝገጠሞም ብርቱዕ ዕንቅፋት ብዘየገድስ፡ ከይተገርሁ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ዘንጊ ተዓቚቦም ንሰይጣናዊ መጥቃዕቲታቱ ብጅግንነት መኪቶሞን ይምክቱዎ ኣለዉን።
ኣቶ ዘራጊቶ ኣብ መንጎ ምእመናን ኣስላምን ክስታንን እውን ፍልልይ ክፈጥር ፈቲኑ። ነቲ ኣብ ካባቢ ጥሪ 2014 ብ’ጉጅለ ወዲ-ዓሊ’ ዝተፈጸመ ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓቱ ዝቐንዐ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣቶ ኢሳያስ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ሃቂኑ። ነቲ ብሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ጌሩ ’እመን ኣይትእመን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘድረሶ ብሓሶት ዝተጠቕጠቐ ጽሑፍ ኣብ ዓምዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣስፊሩዎ። ብሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ክርስትና ዝተፈጸመ ሃይማኖታዊ መጥቃዕቲ ’ጂሃድ’ ኣምሲሉ ክግልጾ ፈቲኑ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንሓደገኛነት ናይቲ ጽሑፍ ምስኣንበቦ ንእከይ ዕላማ ናይ ህግደፍ ተረዲኡ ነጺጉዎ። ወዮ ወትሩ ኣብ ስኒት ሃይማኖታትና ዝተሰረተ ሓድነት ኤርትራውያን ምእመናን ብድሌትን ሰይጣናዊ ዘመተን ናይ ኣቶ ኢሳያስን ህግደፍን ከቶ ኣይተዘርገን!
ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ንጉዳይ ሃይማኖታት ኤርትራ ’ዝከታተል’ ብኢሳያስ ዝተተኽለ ሓደ ኣካል ኣሎ። እዚ ኣካል እዚ ንኹለን ሃይማኖታት ሃገርና ወግሐ-ጸብሐ ይቱኹቱኸን።

’እዚ ግበራ፡ እቲ ኣይትግበራ’ እናበለ ኣብ ጉዳያተን ጣልቃ እናኣተወ ክእዝዘን ይመጣጠር። ኣብ ገለ እዋናት ንብረተን የሕድገን። ኣብ ገሊኡ እዋናት ክኣ ናይ ገንዘብን ንዋትን ድጎማ ከምዝውሃበን እናገበረ ይሽሕጠን። እናሻዕ ንሃይማኖታት ካቶሊክን ከኒሻን ብሰላሕታ የፈራርሀን። ንሃይማኖታት ተዋህዶን ምስልምናን ድማ ካብ ግምጃ መንግስቲ ዓመታዊ ብዝፍኖ ባጀት ጌሩ ይድጉመን። ከምዚ ዓይነት ከፋፋሊ ሜላ እዚ ተጠቒሙ፡ ኣይሰልጦን ድኣ እዩ እምበር፡ ኣብ መንጎ ስኒት ሃይማኖታት ኤርትራ ነቕዓት ክፈጥር ህርድግ ይብል። ትኩራት መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ግን ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ንዝመጾም ሸርሒታት ከም ወትሩ ብንቕሓት እናፍሸሉ ንሽግራቶም ብዓቕሊን ብልቦናን መኪቶም ይሓልፉዎ ኣለዉ።
ኣብ መጻኢ እዋን ስለዚ፡ ካብ ዝሓለፉ ተሞክሮታትና ተምሂርና፡ ንዘኹርዕ ሃይማኖታዊ ቅርስናን ስኒትናን ከነደልድልን ክንዕቅብን (to consolidate) ዘኽእለና መገዲ ብኣግኡ ክንቅይስ የድልየና። ካብ ቀጥታዊ ቁጽጽር መንግስቲ ናጻ ዝኾነን ነብሱ ዝኽኣለን ዝተመሓየሸ ኣጋባብ ኣተሓሕዛ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከነተኣታቱ የድልየና። ንስኒት ናይ ሃይማኖታት ሃገርና ዘተባብዕን ዘወሃህድን ንሃገራዊ ኮሚሺን ንምርግጋጽ ስኒት ሃይማኖታት’ (National Commission for the Assurance of Harmony of Religions—–NCAHR) ዝዓይነቱ ምዕቡል ኮሚሺን ክሃልወና መድልየና።
ብርኢቶይ፡ ናይ ሃይማኖታትን ቋንቋታትን ኮሌጅ (College of Religions & Languages) ይሃልወና። ኣብቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰረታዊ ጽፍሒ፡ ብዛዕባ 1) እንታይነት ሃይማኖትን (The essence of religion) 2) ምንጽጻር ሃይማኖታትን (Comperative religions) ዝምልከቱ ከም መእተዊ ዘገልግሉ ትምህርታት (Introductory courses) ክውሃቡ ምተኻእሉ። ካብ ካልኣይ ልዑል ጽፍሒ ንድሓር ክኣ ተምሃሮ ናብ ዝመረጽዎ ዓይነትን ዓውዲን ሃይማኖት ኣድሂቦም ብጥልቀት ኣብ ዘጽንዕሉን ዝመራምርሉን ጨንፈር (Section for a particular religion) ምኣተዉ። ግና ክኣ ተምሃሮ ንዝመረጽዎ ፍሉይ ሃይማኖት ብጥልቀት ከጽንዕዎ ዋላ እኳ እንተኸኣሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንክፍሪ ዝሰርሕ ትካል ክኸውን የብሉን። ምፍራይ ምእመናን ዕማም ናይቶም መራሕቲ ናይተን ሃይማኖታት እዩ። ኣብ ኣብያተ ስብከተንን ጸሎተንን ድማ ይፍጸም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ዕቱብ ማዕዳ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንመንግስቲ ዝህቡ፡ ዝኾነ ዓይነት ውልቃዊ ሃይማኖት ንገዛእ ርእሶም ዘለዎም፡ መወከሳት ክኾኑ ዝኽእሉ፡ ናይ ስነ-ሃይማኖት ፈላጣትን ተመራመርቲን (specialists) ኣብ ምፍራይ ጥራይ እዩ ክነጥፍ።
ሎሚ ፖለቲካ ዓለም ዳርጋ ግሁድ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናሓዘ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ካብ ዕቱብ ሃይማኖታዊ ንቕሓት ተበጊስና፡ ሓድነትን ስኒትን ሰኒቕና፡ ሃገራዊ ረብሓታትና ንምዕቃብ ምስ በብዓይነቶም መንግስታት ዓለም ብብቕዓትን ብሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን ክንዋሳእ ክንክእል ይግብኣና እዩ።

Eritrea Today